ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ዝያዳ ሓላዪ ንኽትከውን፣ ህድእ በል ኣብ ኣስተንትኖን ጸሎትን ውን ተጸመድ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ዝያዳ ሓለይትን ርሕሩሓትን ምእንቲ ኽንከውን ከምኡ ውን ነቲ ኣካላውን መንፈሳውን ሓይልና ንምሕዳስ ግዜ ወሲድና ኣብ ኣስተንትኖን ጸሎትን ንጸመድ፣ ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዘሎ ሃታሃታ ዝመልኦን ጭንቀትን ውን ክንሕሎ ከም ዘሎና ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳዉያን በጻሕትን እንከስተምህሩ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ኣብቲ ሓዋርያት ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ እቲ ዝሃቦም ተልእኾ ከም ዝፈጸሙ ከም ዘዘንተዉሉ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ኣስተንተኑ። ድሕርዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እተወሰነ ግዜ ዕረፍቲ ኽወስዱ ሓሳብ ኣቕረበሎም፣ እቶም ህዝቢ ግን ወትሩ ይጽበይዎም ነበሩ፣ ጐይታ ድማ ድንጋጸኡ ገለጸሎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ጐይታ ንኸዕርፉ ዘቕረበሎም ጻውዒት ከምኡ ውን ነቶም ህዝቢ ዘለዎ ድንጋጸን ንሓድሕዱ ዝተሓሓዝ ምላሽ ጥራይ ዘይኰነስ ውህደት ናይዚ ክልተ ባህርያት ዘድልየና ምዃኑ ውን ገለጹ።

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር

ካብ "ውልቀ መላኽነት ተግባራት" ምርሓቕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ተልእኾ ሓውርያነት ኣዝዩ ኣድካሚ ክኸውን ዝከኣል እዩ፣ ጐይታና  ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝደኸሙ ምስ ረኣየ፣ ኸም ዝሓልየሎም ኣርኣዮም። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብፍላይ ንዕዮ ወንጌላዊ ተልእኾ ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት ምስ ኵሉ ዕዮታቱን ሓላፍነታቱን ግዳይ ናይቲ እንርእዮ ዝርዝር ተልእኾናን ውጽኢታቱን ጥራን ብምርኣይ መጠኑ ዝሓለፈ ግዙኣት ናይ ንጥፈታት ከም እንኸውን ኪገብረና ይከአል ኢዩ፣ እዚ ዅሉ ግን ንዓና ሓደገኛ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ መወዳእታ ንቤተ-ክርስትያንን ንጉስነትን ዚወሃብ ኣገልግሎት ብዝኸበዶ ድኹም ኣካላትን መንፈስን ክንጭነቕን ክንርስዖን ከም እንኽእል ኣጠንቀቑ። ስለዚ "ካብ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ተግባራት ተጠንቀቑ" ብምባል ድማ መዓዱ።

ስድራ ቤታት ዜጋጥመን ጸገማት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድሓደ ግዜ ኣብ ስድራቤት፣ ኣቦ እንጌራ ንምምእራር መኣዲ ስድራቤት ንምውሓስ  ወትሩ ኣብ ስራሕ ከም ዝጽመድ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ምስ ሰበይቱን ደቁን ከሕልፎ ዘለዎ ክቡር ግዜ በጃ ምግባር ማለት ኢዩ በሉ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ማሕበራዊ ዘይፍትሓዊ ተግባር ከም ዝኾነ እንክገልጹ ኣቦን ኣደን ፍቕራዊ ስድራቤት ንምህናጽን ደቆም ንምዕባይን ሓባራዊ ግዜ ኽህልዎም ከም ዘለዎ ኣጕልሑ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ንዘለዉ ስድራቤታት ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል እስከ ንሕሰብ ውን በሉ።

ኣካላውን መንፈሳውን ዳግመ ተሓድሶ ምግባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ካብ ዓለም ምህዳም ወይ ኣብ ብሕታዊ ጥዕናና ጥራይ ምትኳር ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ብፍቕራዊ ሓልዮትን ድንጋጽን ምላሽ ንምሃብ ኣካላውን መንፈሳውን ዳግመ ተሓድሶ ንምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ። ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕረፍቲ ምግባርን ርሕሩሕ ምዃንን ዝምድና ከም ዘለዎ "ብኸመይ ከም እነዕርፍ እንተ ተማሂርና ጥራይ ኢና ርሕራሐ ኽንረክብ እንኽእል" ብምባል ገለጹ። ልብና ኵሉ ሳዕ ብጭንቀት እንተ ዘይተዋሒጡ እሞ ብጸሎትን ብኣኽብሮትን ጸጋ ኣምላኽ ክንቅበል ምስ እንኽእል፣ ብሓቂ "ንኻልኦት ኣብ ዘድልዮም ነገራት ብኸመይ ከም እንምልስ ዝፈልጥ ርሕሩሕ ጠመተ" ክህልወና ከም እንኽእል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹልና።

ህድእ በል ኣስተንትን ጸሊ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህይወትና ኽንምርምርን ንዕለታዊ ተግባራትና ደው ከነብሎን ምስ ጐይታ ንምዃን እተወሰነ ግዜ ኽንምድብን ብሥጋን ብመንፈስን ገዛእ ርእስና ኸነሐድስን ሓሳብ ኣቕረቡ ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንኻልኦት ብዝያዳ ድሉዋትን ርሕሩሓትን ምእንቲ ክንከውን ኣብ መንጎ መዓልታዊ ንጥፈታትና እውን ከይተረፈ 'ብመንፈስ ዕረፍቲ ክንገብር' ክትሕግዘና ጸልዮም።

22 July 2024, 14:06