ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ደሞክራሲ ናይ ኩሉ ጸገማት ንምፍታሕ ብሓባር ምዕያይ ማለት እዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ደሞክራሲ ናይ ኩሉ ጸገማት ንምፍታሕ ብሓባር ምዕያይ ማለት እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ደሞክራሲ ናይ ኩሉ ጸገማት ንምፍታሕ ብሓባር ምዕያይ ማለት እዩ!

ብምኽንያት ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 7 ሓምለ ንመዛዘሚ መበል 50 ዓመት ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ቅነ ኢጣልያ ናብ ትሪስተ ዝገብርዎ ዑደት፡ “ኢል ፒኮሎ” እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣን ቤት ማሕተም ቫቲካንን ብምትሕብባር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘስምዕዎ መደረታትን መልእኽትታቶም መሰረት ገይሩ “ኣብ ሕመረት ዲሞክራሲ” ብዝብል ኣርእስቲ ንሽተይ መጽሓፍ የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢል ፒኮሎ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣን ቤተ ሕትመት ቫቲካንን ብምትሕብባር ዝተሓትመ ምስቲ ብምኽንያት ማሕበራዊ ቅነ ኢጣሊያ ናብ ትሪየስተ ዕለት 7 ሓምለ ምስ ዝገብሮ ዑደት ተተሓሒዙ ንኣንበብቲ ዝዝርግሕዎ ንእሽቶ መጽሓፍ፥ ከቕርብ ከለኹ ሓጎስ ይስምዓኒ ቢሎም፥ ኣብታ ብሰንኪ ሓባራዊ ምንባር ዝተፈላለዩ ባህልታትን ሃይማኖታትን ብሄራትን ሓያል ናይ ማእከላይ ኤውሮጳዊ መኣዛ ዘለዋ ከተማ ትሪየስተ ምህላወይ ምስቲ ጉባኤ ጳጳሳት ጣልያን ኣብዛ ከተማ ዘዳለዎ መደብ ማለት ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ቅነ መደባት ተተሓሒዙ ዝፍጸም እዩ። ሎሚ ዓመት ናይቲ ናይ ኢጣሊያ ማሕበራዊ ቅበ “ኣብ ሕመረት ዲሞክራሲ፡ ተሳትፎ ኣብ ታሪኽን ናብ መጻእን” ንዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተወፈየ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ደሞክራሲ፡ ህዝቢ ብወከልቱ ኣቢሉ ዝጥቀመሉ ስልጣን ንምምልካት ካብ ጥንታዊት ግሪኽ ዝመጸ ቃል ምዃኑ ንፈልጦ ኢና። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብዓለም ደረጃ ሰፊሑ እኳ እንተሎ፡ ብሳዕቤን ሓደገይና “ደሞክራስያዊ ጥርጣረ” ብዝብል ሕማም ዝሳቐ ዘሎ ይመስል። ደሞክራስያውያን ሃገራት ነቲ ናይዚ እዋን’ዚ ዝተሓላለኸ ነገራት ማኣከል ንምግባር ዘለወን ጸገም – ምስ ሽቕለት ኣልቦነት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ወይ’ውን እቲ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ እደ ጥበባዊ ዝዕብልሎ ምሕደራዊ ረባሕታ ንሕሰብ – ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ህዝባዊ ስምዒት ዝቕየር ይመስል። ደሞክራሲ ኣብ ውሽጡ ዓብይን ዘየጠራጥርን ክቡር ዋጋ ኣለዎ፡ "ብሓባራውነት ዝብል ድማ እዩ" ምኽንያቱ ኣተገባብራ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ናጻን ዓለማውነትን ዝገጥም ሕብረተሰብ ኣብ ስነ-ጥበብ ሓባራዊ ረብሓ ስለ ዝፍጸም። ስለዚ ፖለቲካ ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ማለት ኣይኮነን።

“ብሓባር” ዝብል ቃል ምስ “ተሳትፎ” ዝብል ቃል ተመሳሳሊ ትርጉም ኣለዎ። ኣባ ሎረንዞ ሚላኒ ንመንሰያቱ ድሮ “ደብዳቤ ናብ መምህር” ዝብል መልእኽቱ፦ “ጸገማት ካልኦት ናተይ ጸገም ከም ዝዀነ ተማሂረ እየ። ሓቢርካ ካብቲ ጸግማት ምውጻእ ንገዛእ ርእሱ ፖለቲካ እዩ። በይንኻ ምውጻእ ስንፍና እዩ።” እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ ይዝክሩ። እወ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጸገማት ናይ ኩሉ ሰብ ስለዝኾነ ንኹሉ ዝጸሉ እዩ። እቲ ደሞክራስያዊ መንገዲ ሓቢርካ ብዛዕባ እቲ ጸገም ምዝታይን ከምዚ ዓይነት ጸገም መፍትሒ ክረኽበሉ ዝኽእል ብሓባር ጥራሕ ምዃኑ ምፍላጥን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ከም ማሕበረሰብ ደቂ ሰባት ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ ሓደ ሰብ ንበይኑ ስለ ዘይድሕን። ከምኡ’ውን እቲ mors tua vita mea [“ሞትካ ህይወተይ እዩ”] ንዝብል ኣመለኻኽታ ኣይምልከትን እዩ። ብኣንጻሩ ደቀቕቲ ሕይወታት እውን ከይተረፈ ወዲ ሰብ ብመሓውራዊ መዳይ ንመጠን ካልእነትን ምስ ኣብ ቅድሜና ደው ዝበለ “ንሱነትን” ንዝግበር ርክብን ክፉት ምዃኑ ይሕብረና። ንባዕሉ ጁሰፐ ቶኒዮሎ፡ ኣነቓቓሕን መስራትን ማሕበራዊ ቅነ ኢጣሊያ፡ ደረት homo oeconomicus - ቁጠባዊ ሰብ፡ ማለት ናይቲ ኣብ “ንዋታዊ ውጽኢታውነት” ዝተመርኮሰ ስነ - ሰብእ ራእይ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ጌሩ ዝተረድአ ምሁር ስነ-ቑጠባ እዩ ነይሩ፡ እዚ ድማ ነቲ . . . ሰብ ብባህርዩ ዘለዎ ዝምድናዊ ሸነኹ ዘልምስ እዩ።

ኣብዚ ሎሚ “ሕመረት” ደሞክራሲ እንታይ ማለት ምዃኑ እናሓሰብኩ ክብሎ ዝደሊ፡ ምሕባር ይሓይሽ ምኽንያቱ በይናውነት እቲ ዝኸፍአ እዩ። ሓባራውነት ጽቡቕ እዩ ምኽንያቱ በይንኻ ጓሂ ስለ ዝኾነ። ሓባራውነት ሓደ ተደመሮ ሓደ ክልተ ማለት ዘይኮነስ ሰለስተ ዝገብር ማለት እዩ፣ ምኽንያቱ ተሳትፎን ምትሕብባርን ነቲ ስነ-ቑጠባውያን ተወሳኺ ዋጋ ዝብልዎ፣ ማለት እቲ እወታውን ዳርጋ ጭቡጥን ናይ ምትሕግጋዝ ስምዒት ስለ ዝፈጥር፣ እዚ ድማ ንኣብነት ኣብ ህዝባዊ መድረኽ ካብ ምስታፍን ምስጓምን ዝመጽእ እዩ። ናይ ሓባር ረቛሒ ዝርከበሉ ጉዳይ።

ደሓር ከኣ ኣብታ “ተሳታፍነት” እትብል ቃል ኢና ደሞክራሲ እንታይ ምዃኑ፡ ናብ ሕመረት ደሞክራስያዊ ስርዓት ምኻድ እንታይ ማለት ምዃኑ ሓቀይና ስሚዒት እንረክብ። ኣብ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ወይ ምሕደራዊ ስርዓት ዝሳተፍ ሰብ የለን፤ ኩሉ ሰብ ተዓዛብን ዘይንጥፉን እዩ። ብኣንጻሩ ደሞክራሲ ተሳትፎ ይሓትት፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጻዕሪ ምህላው፣ ምንጽጻር ኣብ ሓደጋ ምእታውን እዩ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ርእዮተ ዓለም፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምኽንያታት ኣብ ሕቶ ምእታው ይሓትት። ክህሉ ዝኽል ሓደጋ ዘይምፍራሕ - ኮንዶኾን (risk) ምውሳድ የድሊ። ሓደጋ ወይ ስግኣት እቲ ናጽነት ዝቦቖለሉ ልሙዕ መሬት እዩ። ኣብ ክንድኡስ፡ ኣብ መስኮት ደው ኢልካ፡ ኣብ ከባቢና ዝፍጸም ዘሎ ብዘይ ገለ ጻዕሪ ምዕዛብ፡ ብስነ-ምግባር ዘይቅቡል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዓይኒ ርእሰ-ፍትወት’ውን እንተኾነ፡ ለባም ምዃን ወይ ውን ምቹእነት ማለት ኣይኮነን።

ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክንዋፈረሎም ዝተጸዋዕናሎም ማሕበራዊ ጉዳያት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም: ብልሒ ዘለዎን መሃዛውን ኣቀባብላ ስደተይናታት ንሕሰብ፣ ዘወሃሃድን ዘተሓባብርን፤ ትሪየስተ ናብቲ ዞባ ባልካን ዝበሃል መስመር ዝቐረበት ብምዃና ኣጸቢቓ እትፈልጦ ተርእዮ እውን እዩ፤ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ንመላእ ኢጣልያን ብፍላይ ድማ ንገለ ዞባታትን ብሰፊሑ ዝጸሉ ስነ ህዝባዊ ቀዝሒ ንሕሰብ፤ ብዛዕባ ምርጫ ሓቀይና መምርሕታት ንሰላም ንሕሰብ፣ እዚ ድማ ንጥበብ ዘተ እምበር ንምርጫ ዳግመ - ዕጥቂ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘቐመጥ ኣይኮነን። ብሓጺሩ: እቲ ኢየሱስ ብቐጻሊ ኣብ ወንጌል ዘመልከተና ሓልዮት፥ ንኻልኦት ሰባት ምሕሳብ ሓቀይና ህዝቢ ናይ ምዃን ኣገባብ እዩ።

ካብታ ንማእከላይ ባሕሪ እትጥምት ከተማ ትሪየስተ፡ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ሃይማኖታትን ህዝብታትን ናይ መራኸቢት ምሬት፤ ኣብዚ ብኲናት ዝጸልመተ እዋን ነቲ እንብህጎ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ንሓቀይና ሓባራዊ ሰናይ ዝዓለመ ምሉእ ብምሉእ ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ ህይወት ዝያዳ ዘእምን ተወፋይነት ክበቁል ለም ዝኽእል ኣብነት እያ እንክብሉ ብዛዕባ ደሞክራሲ ዝምልከት መልእኽትታቶምን ትምህርቶም መደረታቶምን ዝሓዘት መጽሓፍ መእተዊ ጽሑፎም ይዛዝሙ።

06 July 2024, 16:53