ድለ

FRANCE-OLY-PARIS-2024-VENUE FRANCE-OLY-PARIS-2024-VENUE  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ምእቲ እተን ብውግእ ዝዓነዋ ሃገራት ናብ ውድድራት ኦሎምፒክ ምሕስንታ ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ዚመጽእ ዘሎ ናይ ኦሎምፒክን ፓራሊምፒክ ውድድራት ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት መንፈስ ሰላም ንኽሃንጽን ተወዳደርቲ ልኡኻት ሰላም ንኪዀኑን ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም ከም ዘደሊ ገለጹ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ብዛዕባ እቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ናይ ኦሎምፒክን ፓራሊምፒክን ውድድራት ነተን ዝሳተፋ ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ነቲ ናይ ጥንቲ ልምዲ ግሪኽ ንኸኽብራን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ናይቲ ውድድራት ግዜ ክወስዳን ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ተስፋ ከም ዝገበሩ ገለጹ።

"ብመሰረት እቲ ጥንታዊ ልምዲ ኦሎምፒክ ሰላም ንምምዕባል ልባዊ ድሌት ከም ዝነበሮ ዜርኢ ኣብ ግዜ ውግእ ሰላም ንምስፋን ናይ ዘተን ስምምዓትን ሃዋህብ ንምምስራት ኣጋጣሚ ይኸውን ነበረ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዜብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴርጥሮስ ድሕሪ ምጽላዮም ኢዮም ነዚ ምሕጽንታ እዚ ዘቕረቡ ።

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብ ፓሪስ ናይ ኦሎምፒክ ጸወታታት ከም ዝጅምር ስዒቡ ድማ ናይ ፓራሊምፒክ  ጸወታታት ከም ዝጅምር ከምኡ ውን "ስፖርት ካብ እተፈላለየ ባህልታት ንዝመጹ ሰባት ብሰላም ከሕብር ዝኽእል ዓቢ ማሕበራዊ ሓይሊ ኣለዎ" በሉ።

"እዚ ፍጻመ እዚ ምልክት ናይታ ኽንሓንጻ እንደሊ ዘሎና ዓለም ክኸውን ተስፋ እገብር፣ እቶም ስፖርተይናታት ከኣ በቲ ናይ ስፖርት ምስክርነት ገይሮም ንመንእሰያት ልኡኻት ሰላምን ናይ ክቡር ምስክርነት ክዀኑ ተስፋ እገብር" በሉ።

ልምዲ ናይ ውድድርት ኦሎምፒክ

ልምዲ ናይቲ "ውድድራት ኦሎምፒክ" ኣብ መጀመርታ ንዅሎም እቶም ንሓድሕዶም ብቐጻሊ ዝቃለሱ ዝነበሩ ካብ ግዝኣት ግሪኽ ዝመጹ ስፖርተይናታትን ተዓዘብትን ኣብ ጥንታዊ ናይ ኦሎምፒክ ጸወታታት ብደሓን ንኽሳተፉ ዘኽእሎም ኢዩ ነይሩ።

ብ1990ታት ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ንረብሓታት እቶም ስፖርተይናታትን ስፖርትን ብሓፈሻ ንምሕላው ከምኡ ውን ነቲ ስፖርት ዘለዎ ሓይሊ ሰላምን ምይይጥን ዕርቅን ንምድንፋዕ ብዝያዳ ንምጥቃም ክብሉ ነቲ ናይ ኦሎምፒክ ውዕል እንደገና ህያው ክገብርዎ ወሰኑ።

ሰላም ንምርካብ ዚግበር ጸሎት

ከምቲ ዅሉ ሳዕ ዝገብርዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ሰላም ጸሎት ክግበር ካብ ምሕታት ውን ዓዲ ኣይወዓሉን ።

"ምእንቲ እተን በጃ ዝዀና ዘለዋ ሃገራት ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ምያንማር ከምኡውን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኣብ ውግእ ዝርከባ ዘለዋ ኣይንረስዐየን። በጃኹም ኣይንረስዕ ውግእ ስዕረት ከም ምኹኑ ይንረስዕ!" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ር. ሊ. ጳ. ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘቕረብዎ ምሕጽንታ
22 July 2024, 14:12