ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ካብ ሓጐስ ክርስቶስ ኣይትርሓቑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልከ እግዚአብሔር ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ምእመናን ነቲ ኣድላዪ ነገራት ጥራይ ሒዞም ናብ ክርስቶስ ክቐርቡ ከም እተጸውዑ ኣስተምሃሩ ።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓጐስን ፍቕርን ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክንጥእሞ ነቲ ጾር ጥራይ ዝዀነናን ነቲ ንጕዕዞና ዝዓግትን ዘየድሊ ሳንጣ ሕደግዎ። ብመሰረት እቲ ቅዱስ ማርቆስ ዝጸሓፎ ናይ ዕለቱ ንዝባብ ወንጌል እንከስተንቱ፣ ኣባኡ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ እንክስዕብዎ ንዝማልእዎ ነገራት ከፍኩሱ ከም ዝለዎም ኽነግሮም ንሰምዕ ።

ኣድላዪ ነገራት ጥራይ ምውሳድ

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ 'በብኽልተ' እንክልእኾም ነቲ ኣድላዪ ዘበለ ነገራት ጥራይ ክማልኡ ኸም ዝመኸሮም ወንጌል የዘንትወልና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወንጌል ብሕብረት ከም ማሕበር ደኣእምበት ንበይንኻ ብተናጸል ከም ዘይስበኽ ብምዝካር "ብዛዕባ እዚ ምሳሌ እዚ ሓንሳእ ደው ደው ብምባል ኣስተንተኑ ፦ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሕብረት ኢዮም ተላኢኾም፣ ነቲ ኣድላዪ ዘበለ ነገራት ጥራይ ድማ ክማልኡ ተነግሮም" በሉ ።

ክብደት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ዝያዳ ዕግበት

ከምዚ ንምግባር መጠነይና ምዃን ብኸመይ ከም እትዕቅብ ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ፣ እዚ ማለት ከኣ ኣብ ኣጠቓቕማ ነገራት ብኸመይ ጥንቁቓት ክንከውን ከም ዘሎና ምፍላጥ፣ ጥሪትናን ክእለትናን ከምኡ ውን ህያባትና ምክፋል ማለት ኢዩ።

ናጻ ንምዃን "ኵሉ ሰብ ብኽብሪ ንኽነብርን፣ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ብንጥፈት ኣበርክቶ ንኽገብርን" ኣብ ዝብል መገዲ ብዘይ ብዙሕ ገንዘብ ክንከይድ ከም ዘሎና ገለጹ።

ብተወሳኺውን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ክንዲ "ምትሕብባርን ጽንምብሃልን" ዘተባብዕ ኣብ ሓሳባትን ስምዒታትን ምጡን ምዃን ነቲ "ዘየድሊ ነገራት ማለት ንሚዛና ዘኽብዱን ነቲ ጕዕዞ ዝዓግቱን" ምግዳፍ፣ ነቲ ነቓጽ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ድርቅናና ምሕዳግ ከም ዘድሊ ኣትሪሮም ተዛረቡ።

"ንኣብነት ኣብ ስድራቤትና ወይ ማሕበረሰብና እንታይ ከም ዜጋጥም እስከ ንሕሰብ" ውን ይብሉ። ብሒደት እውን እንተ ዀነ ብሓገዝ ኣምላኽ በቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራት ጥራይ እንተ ዓጊብና፣ ተሳኒናን ተሰማሚዕናን ክንነብር ዘኽእለና ንዘሎና ኩሉ ንማቐል፣ እዚ ድማ ኵሉ ሰብ ገለ ነገር ክሓድግን ንሓድሕድና ክንደጋገፍን ኣሎና ማለት ኢዩ" በሉ።

እዚ ንጽባቐ መልእኽቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጭቡጥ ህይወት ስለ ዝንጸባረቕ ቅድሚ ቓላት ኰነ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ልኡኻት ወንጌል ምልክት ምዃኑ ገለጹ። ከምዚ ድማ በሉ - "በዚ መገዲ እዚ ዝነብር ስድራቤት ወይ ማሕበረሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ፍቕሪ ዝመልኦ ንእምነትን ነቲ ሓድሽ ወንጌልን ንምኽፋል ዝቐለለ ከምኡ ውን ዝሓሸን ዝያዳ ህድኣትን ዝረኽበሉ ሃዋሁ ኢዩ ዝፈጥር ። "

“ንኣብነት፣ ሓጐስ ኣብ ስድራቤትና ወይ ማሕበረሰብና እንታይ ማለት ምዃኑ እስከ ንሕሰብ” ድማ በሉ።

" በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኵሉ ሰብ ቃሕ ዝበሎ እንተድኣ ዝገብር ኮይኑ” ከምኡ ውን "እቲ ኣድላዪ ዝኾነ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ነገር ውን ክኣኽሎ ኣይ ክእልን ኢዩ" ብምባል ኣጠንቀቑ - " ሃዋህው ይኸብደና፣  ህይወት ውን ኣጸጋሚ ይኾነና፣ ካብ ሓጐስ ንላዕሊ ድማ ቅሳነትን ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ዝመልኦ ኣጋጣሚታት ይኸውን ። "

ሕብረትን ርእስካ ምቍጽጻርን

በዚ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ሕብረትን ምግታእ ርእስን ንክርስትያናዊ ህይወትናን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትናን ኣገዳሲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምዃኑን ከምኡ ውን "ንሓንቲ ኣብ ኵሉ ደረጃታት እትርከብ ናይ ሓቂ ተልእኾኣዊት ቤተ-ክርስትያን ኣድላዪ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት" ምዃኑ ብኣጽንዖት መስከሩ ።

ስለዚ ምእመናን ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሕቶታት ክሓትቱ ዓደምዎም - "ወንጌል ብምስባኽ ኣብቲ ዝነብረሉ ዘሎኹ ከባቢ ካብጐይታ ዝመጽእ ሓጐስን ብርሃንን ሓጐስ ብምብሳረይ ይስምዓኒ ድዩ?"

ነዚ ንምግባር ከኣ "ብኽፉት ኣእምሮን ለጋስ ልብን ሓሳባተይን ክእለተይን እናኣካፈልኩ ምስ ካልኦት ክመላለስ ቍርጺ ፍቓድ እገብር ድየ?" ክብሉ ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ብኣቓልቦን ብምስትውዓልን ከመይ ገይረ ርዝነት ዘለዎ ናብራ ኽነብር ከም ዘሎኒ እፈልጥ ድየ?" ክብሉ ሓተቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ንግስቲ ሓዋርያት ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምእመናን ልኡኻት ደቀ መዛሙርቲ ንክንከውንን ኣብ ሕብረት ኰነ ኣብ ህዱኣት ናብራ ንኽንመላለስን ክትሕግዘና ብምልማን ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ ።

ምሕጽንታ

ድሕቲ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ካብ ኢጣልያን ካብ መላእ ዓለምን ዝመጹ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቢሎም ሰላምታ ድሕቲ ምቕራብ፣ ነቶም ኣብቲ ብረድዮ ማሪያ እተወደበ ዓመታዊ ጕዕዞ ዚሳተፉ ፖላንዳውያን ነጋድያን እውን ሰላምታ ኣቕረቡሎም ።

ኣብ ዓዓመት ኣብ ካልአይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሓምለ ሰንበት ናይ ባሕሪ ኣብ ዚበዓለሉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነቶም ኣብ ዓውዲ ባሕሪ ዚሰርሑን ነቶም ንቤተሰቦምን " ጸሎት ክግበረሎም ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብ16 ሓምለ ኣብ እምባ ቀርሜሎስ እተገብረ ጽንብል ኣተኩሮ ብምግባር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና "ንዅሎም እቶም ብውግእ እተጨቈኑ ህዝብታት ከተጸናንዖምን ሰላም ከተማልደሎምን" ተማሕጺኖምዋ።

15 July 2024, 16:47