ድለ

ተመክሮ ሕይወት ናይቶም ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንጠጥዒ ማይ ተስፋ እዩ ተመክሮ ሕይወት ናይቶም ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንጠጥዒ ማይ ተስፋ እዩ  (Vatican Media)

ተመክሮ ሕይወት ናይቶም ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንጠጥዒ ማይ ተስፋ እዩ

ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ጽምብል 4ይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex ብዝብል ኣርድራሻኦም ኣቢሎም፥ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ከይንርስዕ ይዕድሙና። ኣተሓሒዞም እውን ዕለት 26 ሓምለ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን እያቄምን ሃናን ኣቦሓጎን ኣደ ሓጎን ኢየሱስ ከም ዝጽምበል ብምዝኽካር፥ "ብዙሕ ግዜ ሳላ እቲ ዘርእይዎ ሓልዮት ዳግማይ ተንሲና ጕዕዞና ክንቅጽልን ከም ዝተፈቐርናን ውሳጣዊ ምድሓን ከም ዝረኸብና ይስቆረና" ዝብል መልእኽቲ ከም ዝፈነዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 71. 9 መሰረት ገይሮም ድማ፥ ተመክሮ ህይወት ናይቶም ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንጠጥዒ ናይ ተስፋ ማይ ስለ ዝኾነ “ኣብ መንጎ ንኣሽቱን ዓበይትን ሓድሽ ምሕዝነት የድልየና ኣሎ፣ በዚ መንገዲ ጽባቐ ህይወት ተሓኒጽና ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ንሃንጽ” ይብሉ።

ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ብርሃንን ጽላሎትን ብሓደ እያቶም ዝነብሩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ዕለት 23 ሓምለ 2023 ዓ.ም ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ኣብቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ደቂ ደቆምን ዘለዎም ናይ ሓባር መዳይ ማለት ኣብቲ "ብሓባር ምዕባይ" ዝብል ሓቂ ዘተኮረ ምዃኑ ከም ዘብርሁን "እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ብተስፋ ዝነብር ክርስቲያን፡ ዘይትስፉው ወይ’ውን ኣብ ዓለም ጽውጽዋይ ዝነብር፡ ክፉእ ከም ዘይረኣየን 'ኩሉ ጽቡቕ'ዩ' ዝብልን ገርሀይና ሰብ'ውን ማለት ኣይኮነን። ክርስትና ክውንነታዊ እዩ፣ ኣብ ዓለም ስርናይን ክርዳድን ከም ዘሎ ዝፍልጥ እዩ፣ ክፍኣት ድማ ካብ ‘ደገ’ ጥራይ ከም ዝመጽእ፣ ኩሉ ግዜ ጌጋ ናይ ካልኦት ከም ዘይኮነ ዘስተውዕል፣ ንውሽጡ ዝጥምትን እዩ - ቢሎም - ኣብ መንጎ ዓበይትን ንኡስ ወለዶን ሓድሽ ምሕዝነት የድልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዘስተንትኑሉ ካልኣይ ነጥቢ እቲ ኣብ መጀመርታ ንእሽቶን ዘይርአን ምስ ዓበየ ግን ድልዱል ገረብ ዝኸውን ዘርኢ ኣድሪ - ህይወት ማለት ምዃኑ ገሊጾም፥ “ኣነ ከምዞም ቆጽሊ ዘለዎም ኣግራብ ጽቡቓት ዝኾኑ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ደቂ ደቆምን እሓስብ፡ ዓበይቲ ጽላል ስድራ ቤት እያቶም” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣይንረስዕ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምሳሌ ማይ ብሑቝን ሓርጭን ኣተኩይሮም፡ ኣዚ ማይ ብሑቕን ሑርጭን ድማ ክሕወስ እንከሎ ይቦኽዕ ኣዚ ኸኣ ብሓባር ምዕባይ ዝውክል እዩ፡ እዚ ብሓባር ምንባር እዚ ንርእስኻ ዳግማይ ምርካብ ዝብል ምስጢር ዝሓዘ እዩ፡ ንውልቃውነትን ርእሰ-ፍትወትን ንምስዓር ዝሕግዝ እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፥ ቃል ኣምላኽ ንገዛእ ርእስና ክንፈላለ፡ ንርእስና ክንዓጽው፡ በይንና ክንዓዪ ከም እንኽእል ክንሓስብ ዘይኮነስ ብሓባር ክንዓቢ ከም ዘይዕድመና ኣስሚሮም፡ እምበኣር ነንሕድሕድና ንስማዕ፡ ንዘራረብ፡ ንሓድሕድና ንደጋገፍ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣይንረስዕ ከም ዝበሉ ይሕብር።

25 July 2024, 16:07