ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ናይ 2024 ዓ.ም. ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ስፖርት ፓሪስ ክብርን ስኒትን የስፍሕ' ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ናይ 2024 ዓ.ም. ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ስፖርት ፓሪስ ክብርን ስኒትን የስፍሕ' 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ናይ 2024 ዓ.ም. ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ስፖርት ፓሪስ ክብርን ስኒትን የስፍሕ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ዝካየድ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ 2024 ዓ.ም. ብወግዒ ክጅመር ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ጸሎቶም እውን ኣረጋጊጾም፥ “እዚ ክቡር ኣህጉራዊ ስፖርታዊ ውድድር ኣብዛ ኣብ ጽንኩር ኩነታት እትርከብ ዓለም ምንቲ ሰላምን ምሕዝነትን እንሰርሓሉ ኣጋጣሚ ክኽውን እምነ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ጎይታ ንኹሎም ብዝተፈላለየ ደረጃን መገድን ኣብቲ ፍጻሜ ንዝሳተፉ - ስፖርተይናታት ይኹኑ ተዓዘብቲ - ጸጋ ክዕድልን ከምኡ'ውን ነቶም ዘአንግድዎም ብፍላይ ድማ ምእመናን ፓሪስን ካልኦት ቦታታትን ክድግፍን ክባርኽን እምሕጸን" ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ እቲ ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ካብ ዕለት 26 ሓምለ ክሳብ ዕለት 11 ነሓሰ 2024 ክካየድ ዝተወደበ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒካዊ ስፖርት ውድድር ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለት 19 ሓምለ ኣብ ፓሪስ ኣብ እትርከብ ማደላይነ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝዓረገ ሰላም ሓሳብ ዝገበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተነበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዳሴ ኦሎምፒክ ሰላም

እቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፍሉይ እቲ ኣብ ፓሪስ ንኽካየድ ዝተወደበ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒካዊ ስፖርት 2024 ዓ.ም. ምኽንያት ጉባኤ ጳጳሳት ፈረንሳ፡ ሊቀ ጳጳሳት ፓሪስን ጋንታ ቅዱስቲ መንበርን ዘሰናደውዎ ከም ዝነበረን ዕለት 11 ነሓሰ ድሕሪ ምዝዛም ሓደ ሰሙን እቲ ዕለት 8 መስከረም ዝዛዘም ናይ ኣካለ ስንኩላን ኦሎምፒካዊ ስፖርት ውድድር ስዒቡ ክካየድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅድሴ ኣብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቸሌስቲኖ ሚሊዮረ ዝተሰርዐ ኮይኑ፡ ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳት ላውረንት ኡልሪኽ፡ ናይ ሰበኻ ዲኘ ጳጳስ ንናይ ጉባኤ ጳጳሳት ፈረንሳ ወኪል ጉዳያት ኦሎምፒክ ስፖርት ኣቡነ ኤማኑኤል ጎቢሊያርድ ከም ዝሓበሩን ቶማስ ባክ ኣቦ መንበር ኣህጉራዊ ሽማግለ ኦሎምፒክን ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ ስፖርት ኣካላትን እውን ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከም ክርስቶስ ልባትና ምኽፋት

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናብ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳት ኡልሪክ ኣብ ዝመሓላለፍዎ፣ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ኣብ መልእኽቶም ምስ ዕላማ እቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣወሃሂዶም፣ ኣብ ኩሉ ደረጃታትን ብዝተፈላለየ መልክዓት ኣብቲ ፍጻሜ ንዝሳተፉ ጐይታ ክባርኽምን፣ ከምኡ'ውን ነቶም ነቲ ፍጻመ ማዕጾ ኣብያተ ክርስትያናቶምን ኣብያተ ትምህርቶምን ኣባይቶምን ንኸርህዉ" ዝዳለዉ ዘለዉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣስተብሂሎም፥ "ብፍላይ ማዕጾ ልቦም ክኸፍቱ፡ ብተወፋይነትን ልግስን ብፍላይ ነቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ብፍጹም ዘይርስዕ ዘቕርብዎ እንግዶት ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝነብር ሓጎስ ዘመሓላልፉሉን ክርስቶስ ዝምስክሩሉን" ክኸውን ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

“ኣወዳድባ ናይዚ ስፖርታዊ ፍጻሜ ንመላእ ህዝቢ ፈረንሳ ሕውነታዊ ስኒት ንኽረክብ ዘደንቕ ዕድል ክኸውንን ኪኖ ፍልልያትን ተቓውሞን ሓድነት ሃገር ንምሕያል ዘኽእል ክኸውን ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ስፖርት ኵላዊ ቋንቋ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓጎስ እቶም ነዚ ክቡር ኣህጉራዊ ስፖርታዊ ውድድር ዘአንግዱ ከም ዝሓብሩ ብምርግጋጽ ብፍላይ ስፖርት "ዶብ፡ ቋንቋ፡ ዓሌት፡ ብሄርን ሃይማኖትን ሰገር ዝኾነ ኵላዊ ቋንቋ እዩ" እንክብሉ ብምዝኽኻር፥ "ንሰባት ናይ ምጥርናፍ፡ ዘተን ሓድሕዳዊ ምቕብባልን ናይ ምድንፋዕ ዓቕሚ ኣለዎ፤ ርእሰ - ብድሆ የነቓቕሕ፡ ናይ መስዋእቲ መንፈስ የዕቢ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ዝምድናታት ድማ ተኣማንነት የተባብዕ፤ ናይ ገዛእ ርእስኻ ደረትን ክብሪ ካልኦትን እውን ኣፍልጦ ንኽትህብ እውን ዝዕድም እዩ” ቢሎም፥

"ውድድር ኦሎምፒክ፡ ብሓቂ 'ጸወታ' ኮይኑ እንተቐጺሉ፡ ንህዝብታት፡ ዋላ'ውን ነቶም ተጻባእቲ ኣብ ሓደ ዘራኽብ ናይ ሰላም ቦታ ክኸውን ይኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣኽብሮትን ምሕዝነትን ምዕባይ

እተን ሓሙሽተ ዝተኣሳሰራ ቀለቤታት ኣርማ ኦሎምፒክ ስፖርት፥ "ነዚ ንውድድር ኦሎምፒክን ብሓፈሻ ስፖርታዊ ውድድርን መለለዪ ክኸውን ዝግበኦ መንፈስ ሕውነት ዝውክላ እየን" በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኦሎምፒክ ፓሪስ "ኩሎም ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝመጹ ነዚ መንፈስ እዚ ንኽረኽቡን ከድንቑን ኣጋጣሚ ክኸውን" ዓዲሞም፥

“ስለዚ ኦሎምፒክ ፓሪስ ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝመጹ ኩሎም ነንሕድሕዶም ዝራኸብሉን ዝደናነቑሉን፡ ጽልኢ ዝፈርሱሉ፡ ንዕቀትን ዘይምትእምማንን ኣብ ዘለዎ ክብሪ ዘዕብዩሉ፡ ጽልኢ ኣብ ዘለዎ ድማ ምሕዝነት ዘዕብዩሉ ኣጋጣሚ ክኸውን እምነ”።

ሰላም እምበር ኲናት ዘይዘርእ ስፖርት

እቲ ጸወታታት ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ሰላም እምበር ኲናት ከም ዘየስፍሕ እምነቶም ምዃኑ ድማ ገሊጾም፥ እዚ እውን ዝተመስረተሉ ዕላማ ምዃኑ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ኣመላኺቶም፡ እዚ ትውፊት እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ክቕጽል ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥

"ኣብዚ ሰላም ኣብ ከቢድ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ሽግር ዝመልኦ እዋን፡ ግርጭታት ክፈትሑን ናብ ስምምዕ ክምለሱን ብዝብል ተስፋ ኩሉ ሰብ ኣብ ልቡ ነዚ ዕርቂ ከኽብር ኣዝየ እምነ፥

“ኣብዚ ሰላም ዓለም ብኸቢድ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ሽግር ዝመልኦ እዋን፡ ግርጭታት ንምፍታሕን ናብ ስኒት ንምምላስን ዕርቂ ንምኽባር ኩሉ ሰብ ነዚ ክግደስ ካብ ልቢ ተስፋ እገብር።”

ሕልና መራሕትን ኣመሓደርቲ ክበርህ

"ጎይታ ነቶም ገበርቲ ሰላም ኣብ ጻዕሮም ዓወት ክህቦም" ተማሕጺኖም፥ “እቶም ዓቢይ ሓላፍነት ናይ ዝተሰከሙ ሕልና የብርሆ" እንክብሉ ጸልዮም፥ "ንቅዱስ ጀነቪቭን ቅድስቲ ደኒስን ሓለውቲ ቅዱሳን ከተማ ፓሪስን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘዕርገት ሓላዊት ቅድስቲ ፈረንሳን ዕዉት ኣካይዳ ናይዚ ኦሎምፒካዊ ስፖርት ሕድሪ ብምባል “ንዓኹም ናይ ከተማ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳትን ንኹሎም ኣብቲ ስፖርታዊ ፍጻሜ ብዝተፈላለየ ደረጃ ንዝሳተፉ ቡራኬይ አመሓላልፍ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 July 2024, 16:44