ር. ሊ. ጳ.፦ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ንብዲሞክራሲ 'ዝቘሰለ ልቢ' ኼሕውዩ ጽዉዓት ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ትማሊ ሰንበት ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ትሪየስተ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካዪዶም ። ኣብቲ ዓመት ዓመት ዝካየድ ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ቅነ ማሕበረሰብ ኣብ መዛዘሚ መደብ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዲሞክራሲ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ሓሳባቶም ኣካፈሉ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ መላእ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ቅነ ማሕበረሰብ ተረኺቦም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ሰበ-ስልጣንን ዕዱማትን ንልዕሊ 900 ዝኾኑ ተጋባእቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ብሕታውን ማሕበረሰብኣውን ተሳትፎ ዘለዎ ደሞክራስያዊ መስርሕ ክህነጽ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ እታ ናይ መጀመርታ ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ቅነ ማሕበረሰብ ብ1907 ከም እተገብረትን፣ እቲ ጸኒሑ ዝተኻየደ ዙራት ድማ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንዲሞክራስያዊ መስርሕ ኢጣልያ ኣብ ምድንፋዕ ከም ዝሓገዘን ዘከሩ ።
እቲ ብ1988 ከም ብሓድሽ እተጀመረ ዓመታዊ በዓል እዚ ምንቅስቓስ እዚ ኣብ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እተመርኰሰ ዀይኑ፣ ብዛዕባ ማሕበራዊ ርእየታት ወንጌል ዚገልጽ ራእይ ኪህብ እዩ ዚጽዕር።
"ልክዕ ከምቲ ናይ ዲሞክራሲ ቕልውላው እተፈላለየ ኩነታትን ሃገራትን ዝሰግር፣ እቲ ብዛዕባ ማሕበረሰብኣዊ ለውጢ ዘለዎም ሓላፍነት እውን ንዅሎም ክርስትያን ኣብ ዝሃለው ይሃልዉን ይስርሑን ብዘየገድስ ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ነዚ ጻውዒት እዚ የቕርበሎም ኣሎ " በሉ ።
ኣብ ሓድነትን ምድግጋፍን እተሃንጸ ተሳትፎ
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዲሞክራሲ ዘጋጥም ዘሎ ቕልውላውን ብልሽውናን ማሕበራዊ ግሉልነትን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስልጣን ንገዛእ ርእስኻ ናይ ምዕባይ ዝንባሌን፣ ንማሕበረሰብ ከገልግል ዘይክእል ከም ዝዀነ ገይሮም ከም ዝርእይዎ ከም "ቝሱል ልቢ" ገይሮም ገለጽዎ።
"እታ 'ዲሞክራስያዊት' እትብል ቃል ንባዕላ ምስ ድምጺ ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነትስ ኵሉ ሰብ ሓሳባቱ ንኽገልጽን ንኽሳተፍን ኵነታት ክትፈጥር እውን ትጽቢት ትገብር ኢያ" በሉ።
ዜጋታት "ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ዀነ ፖለቲካዊ ፈተናታት" ነቐፌታ ምእንቲ ኽቕበሉ ደሞክራስያዊ ተሳትፎ ገና ብንእሽቶኻ ክተኣታቶ ከም ዘለዎ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንክርስትያን ምእመናን ክብሪ ወድሰብ ኣብ ቦትኡ እንከሎ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን ማሕበረሰብን ፍረ ዘለዎ ዘተ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።
"መሰረታዊ ስርዓታት ሓድነትን ደገፍን ተሳትፎን ዘይምግባር ዘይምግዳስን ስለ ዜተባብዕ ማእሰር ዲሞክራሲ ኣብ ምህናጽ ክንጽዕር ኣሎና" በሉ።
ሕውነት ሓባራዊ ተሰጥዎ የሕድር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ደሞክራስያዊ ተሳትፎ ንምግባር ዘኽእል ሸቶ ብመልክዕ ናይ ሓደ "ዝጠዐየ ልቢ" ገይሮም ገለጽዎ።
"ኣብ ከባቢና እንተ ርኢና ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን እንተላይ ኣብ ዓውዲ ቝጠባን ተክኖሎጅን ፖለቲካን ሕብረተሰብን እውን ከይተረፈ ስጕምቲ ኸም ዝወሰድና ዝሕብር ብዙሕ ምልክታት ንርኢ ኢና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም "ማሕበራዊ ርክባት ከም ዝዕምብብ ዝገብር" ከምኡ ውን ብሓባር ናይ ምምሃዝ መንፈስ ከም ዝህሉ ዝገብር ምዃኑ ገለጹ።
"ዝጠዐየ ልቢ ዘለዎ ዲሞክራሲ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ ራኢ ኣብ ምዅስኳስ ብምቕጻል ተጸሚዱ ከምኡ ውን ብሕታውን ማሕበረሰብኣውን ተሳትፎ ምግባር ዝሓትት ኢዩ" በሉ።
ፖለቲካዊ ፍቕሪ ንፖለቲካ ዝለዓለ መዐቀኒ እዩ ዘትሕዞ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ንጸገማት ዲሞክራሲ ቐልጢፎም ኺፈትሕዎ እምበር ናብ "ወገናውነትን ወይ ብሕታዊ እምነት" ኬንሳሕብዎ የብሎምን ።
"እዚ ኽስማዕ ብዙሕ ትጽቢት ዘይግበረሉ እኳ እንተዀነ፣ ልዕሊ ዅሉ ግን ኣብ ህዝባዊ ክትዕ ኣብ ክንዲ ፍትሕን ሰላምን ርእይቶ ንምሃብ ትብዓት ኣሎና ማለት ኢዩ" በሉ።
ክርስትያናዊ ተሳትፎ ኣብ ፖለቲካ ኽኣቱ ኣለዎ እዚ ኸኣ ፖለቲካ "ናብ ሓላፍነታቱ ተንሲኡ ኽንዮ እቲ እተፈላለየ ኣተሓሳስባ ንኽሓልፍ" ዘኽእሎ መዳያት ናይቲ "ፖለቲካዊ ፍቕሪ" ወይ "ፖለቲካዊ ግብረ-ሰናይ" ክኸውን ኣለዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብታ ሲቪላዊ ስምዒት ዘይብላ ዓለም ንምስፍሕፋሕ ገዛእ ርእስና ነሰልጥና" ብምባል መደረኦም ዛዘሙ። "ከም ህዝቢ ኣምላኽ ኴንና ብሓንሳእ ክንመላለስ ንለማመድ፣ ኣብ መንጎ ሕዝቢ ኣምላኽ ኸኣ መባዅዕቲ ተሳትፎ ኮይና ንምክፋል ንማሃር" በሉ።