ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒጅ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒጅ  (AFP or licensors)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒጅ

ሩስያዊ ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒጅ ብዓል ቮሎኮላምስክ ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ርክባት ወጻኢ ንናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ተራኺቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰላም ንኽህሉ ማእለያ ዘይብሉ ጻውዒት ኣብ ዘቕርብሉ ዘለዉ እዋን፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 11 ሓምለ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቫቲካን ንሩስያዊ ኦርቶዶክሳዊ ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒጅ በዓል ቮሎኮላምስክ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስት መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዞም ሓላፊ ጉዳያት ክርባት ወጻኢ ንናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትርያርክ ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒጅ ዕለት 5 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ከም ዝነበሩን እዚ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሩሲያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ዝግበር ኤቍመናዊ ጉዕዞ ክፋል እውን ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

እቲ ርክብ እቲ ድሕሪ እቲ ዕለት 16 መጋቢት ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ መለእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ኪሪል ብምስማዐ ርእየት ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ዝተኻየደን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣብቲ እዋን ኩሎም ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ጓሶቶምን ምእንቲ ሰላም ክጽልዩን ናይ ሰላም መጋበርያ ክኾኑን ዓዲሞም ከም ዝነበሩን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒጅን ኣብ ወርሒ መስከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝተኻየደ ሻብዓይ ጉባኤ መራሕቲ ዓለምን ባህልን ሃይማኖትን እውን ተሳቲፎም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

13 July 2024, 16:21