ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ጸሎተ ንዋም ብቋንቋ ላቲን
መርሓ ግብሪ ፈነወ
TOPSHOT-VIETNAM-POLITICS-TRONG TOPSHOT-VIETNAM-POLITICS-TRONG  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ብሞት ነበር ርእሰ ብሔር ሃገረ ቬትናም ሓዘኖም ገሊጾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ብሞት ርእሰ ብሔር ማሕበራዊት ሪፓብሊክ ቬትናም ነበር ኑጉየን ፉ ትሮንግ፣ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ዝተሰምኦም ሓዘን ብምግላጽ ናይ ምጽንናዕን ጸሎትን መልእኽቲ ለኣኹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ  ንጉየን ፉ ትሮንግ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ቭየትናምን ርእሰ ብሔርን ነበር እታ ሃገርን ብምሟቱ ሓዘኖም ገሊጾም እዮም ።

ኣብ ክንዲ ቅዱስ ኣቦና ብምዃን በቶም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንብር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ናብቲ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ዘለው  ጀነራል ቶ ላም ኣብ ዝተላርከ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ንኹሎም እቶም ብሞት ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ መራሒ ነብር ናይታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሕማም ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ  ዝሞተ ንዝሓዘኑ ዘለዎም ቅርበትን ምጽንናዕን ገለጹ ።

"ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊን ርእሰ ብሔር ማሕበራዊ ሪፓብሊካት ሃገረ ቭየትናም ነበርን ንጉየን ፉ ትሮንግ ከም ዝሞተ ምስ ሰምዑ ቅዱስነቶም ንዅሎም እቶም ሓዘኖም ዝገለጹ ብፍላይ ከኣ ንስድራቤቱ ምጽንናዕን ሰላምን ንኽረኽቡ ጸሎቶምን የጸናንዕዎምን ኣለዉ" ዝብል ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኣመሓላለፉ ።

ኣብታ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና "ኣብ መንጎ ቬትናምን ቅዱስቲ መንበርን ዘሎ ርክብ ኣብ ምድንፋዕን ኣብ ምህናጽን" ንዝነብሮ ግደ "ፍሉይ ሞሳኦ" ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ምስ ህልው ርእሰ ብሔር ቶ ላምን ምስ ኵሎም እቶም ኣብቲ ግዜ ዝሓዝኑ ዘለዉ ብጾቱን መንፈሳዊ ቅርበት ከም ዘለዎም ብምርግጋጽ መልእኽቶም ዛዘሙ ።

24 Jul 2024, 16:49
Prev
February 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
232425262728 
Next
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031