ድለ

TOPSHOT-VIETNAM-POLITICS-TRONG TOPSHOT-VIETNAM-POLITICS-TRONG  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ብሞት ነበር ርእሰ ብሔር ሃገረ ቬትናም ሓዘኖም ገሊጾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ብሞት ርእሰ ብሔር ማሕበራዊት ሪፓብሊክ ቬትናም ነበር ኑጉየን ፉ ትሮንግ፣ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ዝተሰምኦም ሓዘን ብምግላጽ ናይ ምጽንናዕን ጸሎትን መልእኽቲ ለኣኹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ  ንጉየን ፉ ትሮንግ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ቭየትናምን ርእሰ ብሔርን ነበር እታ ሃገርን ብምሟቱ ሓዘኖም ገሊጾም እዮም ።

ኣብ ክንዲ ቅዱስ ኣቦና ብምዃን በቶም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንብር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ናብቲ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ዘለው  ጀነራል ቶ ላም ኣብ ዝተላርከ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ንኹሎም እቶም ብሞት ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ መራሒ ነብር ናይታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሕማም ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ  ዝሞተ ንዝሓዘኑ ዘለዎም ቅርበትን ምጽንናዕን ገለጹ ።

"ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊን ርእሰ ብሔር ማሕበራዊ ሪፓብሊካት ሃገረ ቭየትናም ነበርን ንጉየን ፉ ትሮንግ ከም ዝሞተ ምስ ሰምዑ ቅዱስነቶም ንዅሎም እቶም ሓዘኖም ዝገለጹ ብፍላይ ከኣ ንስድራቤቱ ምጽንናዕን ሰላምን ንኽረኽቡ ጸሎቶምን የጸናንዕዎምን ኣለዉ" ዝብል ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኣመሓላለፉ ።

ኣብታ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና "ኣብ መንጎ ቬትናምን ቅዱስቲ መንበርን ዘሎ ርክብ ኣብ ምድንፋዕን ኣብ ምህናጽን" ንዝነብሮ ግደ "ፍሉይ ሞሳኦ" ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ምስ ህልው ርእሰ ብሔር ቶ ላምን ምስ ኵሎም እቶም ኣብቲ ግዜ ዝሓዝኑ ዘለዉ ብጾቱን መንፈሳዊ ቅርበት ከም ዘለዎም ብምርግጋጽ መልእኽቶም ዛዘሙ ።

24 July 2024, 16:49