ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ወርሒ ሓምለ ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ንጉስነት ሕሙማት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ወርሒ ሓምለ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ ከም ዝገበሩን እዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን፥ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብዝተፈለልየ ሕማም ዝተጠቕዑን ዝሳቐዩን ሰባት ቅርበት እግዚኣብሔር ከተርኢ መታን ክጽልዩ ዝላበው ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምስጢረ ቅብኣት ሕሙማት (ቀንዲል) ነቶም ዝቕበልዎን ፈተውቶምን ሓይሊ ጐይታ ክህቦም፡ ንኹሉ ሰብ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝረአ ምልክት ርህራሄን ተስፋን ክኸውን ንጸሊ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዕድመ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ክርስትያን ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክስቲያን ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ንህሙማን ምእንቲ እተቕርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክጽለን ምስጢረ ቅብኣት ሕሙማት (ቀንዲል)፡ ኣብ ኣፈት ሞት ንዝርከቡ ሰባት ጥራይ ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር

ሓደ ካህን ነዚ ምስጢር እዚ ዝሰርዕ ሓደ ሰብ ኣብ ኣፈት ሞት ስለ ዘሎን ክመዉት ስለ ዝቐረበ ጥራሕ እዩ ቢሉ ዝሓስብ እንተዳእ ኮይኑ ተስፋ ዘይብሉ ራእይ ሓቝፊ ኣሎ ማለት እዩ “ እንክብሉ ምስጢረ ቀንዲል ናይ ተስፋ ምስጢር ምዃኑ የጒልሑ።

“ቅብኣት ሕሙማት ሓደ ካብቶም ንመንፈስ ዝፍውስ ‘ፈዋስን ሓዳስን ምስጢር፡’ ምዃኑ ንዘክር” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ወሲኾም፡ እቲ ምስጢረ ቀንዲል ንዝሓመሙ ሰባት ብፍላይ ድማ ንኣረጋውያን ኩሉ ግዜ ቅሩብ ክኸውን ኣለዎ፥ “ሓደ ሰብ ኣዝዩ ምስ ዝሓመመ ቅብኣት ሕሙማት ምሃብ ይምከር” ቢሎም፥ እቲ ምስጢረ ቀንዲል ዝያዳ ዝርአ ምልክት ርህራሄን ተስፋን ክኸውን እንክብሉ ብዘቕረብዎ ጸሎት ነቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቶም ይዛዝሙ።

ኣብ ግዜ ሕማም ምጽንናዕ

ዓለም ለኸ መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ብምስማዐ ርእየት ኣቢሉ ምስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰበኻ ኣለንቶውንን ሎስ ኣንጀለስን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ምስጢረ ቅብኣት ሕሙማት ክወሃበሉ ዝኽእል ጭቡጥ ኩነታት ከም ዘቕርቡ ኣመላኺቱ፥ ዓለም ለኸ መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ዋና ሓላፊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍሬደሪክ ፎርኖስ ነቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ንምቕራብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኣብዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን ነቲ ብዛዕባ ምስጢረ ቀንዲል (ቅብኣተ ሕሙማት) ዘሎና ኣረኣእያ እንደገና ክሓስበሉ ከም ዝዕድሙን፥ . . . ንዕምቈትን ናይ ሓቂ ትርጕምን ናይዚ ምስጢረ ቅብኣት ሕሙማን እዚ ከም ብሓድሽ ክንረኽቦ ተስፋ ይገብሩ . . . ንሞት ንምድላው ጥራይ ዘይኰነስ ከቢድ ሕማም ከጋጥም እንከሎ ንሕሙማት ዘጸናንዕ ምስጢርን ከምኡውን ንፈተውቶምን ነቶም ዝከናኸንዎምን ብርታዐ ዝህብ ምስጢር ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

03 July 2024, 16:40