ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዑደት ቤልጅየምን ሉሰምበርግን ዝርዝር መደባት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዑደት ቤልጅየምን ሉሰምበርግን ዝርዝር መደባት 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዑደት ቤልጅየምን ሉሰምበርግን ዝርዝር መደባት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ካብ ዕለት 26 – 29 መስከረም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ቤልጅየምን ሉክሰምበርግን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝርዝር መደባት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 46 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ካብ ዕለት 2 - 13 መስከረም 2024 ዓ.ም. ዝጸንሕ ኣብ ሃገረ ኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር - ኢስትን ዝስዕብ ኮይኑ፡ ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ኣሃዛት፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ካብ ዝግመት ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ቤልጅየም፡ ብግምት እቲ ፍርቂ ካቶሊክ ከም ዝኾነን ብተመሳሳሊ ኣብ ሉሰምበርግ እውን ካቶሊክ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቡ 50 ሚእታዊት ዝሽፍን ምዃኑ ይፍለጥ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ንናይተን ሃገራት ካቶሊካውያን ምእመናን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ከምቲ ልሙድ ድማ ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ጳጳሳትን ሰበስልጣንን ልኡካነ መንግስታትን ከምኡ እውን ኣብተን ሃገራት ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ግሊ ርክብ ከካይዱ እዮም።

ኣብ ቤልጅየም ዕለት 27 መስከረም ምስ መምሃራን መንበረ ጥበብ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ሉቨን ክራኸቡን ንጽባሒቱ ምስ ተማሃሮ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ደ ሉቫን ክራኸቡ እዮም።

ዝርዝር መደባት ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ሓሙስ ዕለት 26 መስከረም 2024 ዓ.ም.

08:05 ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ሉክሰምበርግ ብነፋሪት ክነቕሉ እዮም

10፡00 ሉሰምበርግ ኣብ ዝርከብ ፊንደል ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከብጽሑ እዮም

10፡00 ንኽብሮም ወግዓዊ ናይ ኣቀባብላ ስነ-ስርዓት ክፍጸም እዩ

10፡45 ንኽብሪ ህዝብን ሃገርን ሉሰምበር ድማ ናብ ናይ ሉሰምበር ዓቢይ ልዑል ሕንጻ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም

11፡15 ምስ መራሔ መንግስቲ ክሌኣዊ ርክብ ከካይዱ እዮም

11፡50 ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡን ድሕሪ ንኽብሮም ዝቐርብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልኽቲ መደረ ከስምዑ እዮም።

16፡30 ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሉክሰምበርግ ካቴድራል ኖትረ-ዳም ክራኸቡን መደረ ከስምዑን እዮም።

17፡45 ናይ ሉሰምበርግ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፊንደል ንኽብሮም ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ክፍጸም እዩ።

18፡15 ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሉክሰምበርግ/ፊንደል ናብ ብራስለስ ብነፋሪት ክነቕሉ እዮም

19፡10 ኣብ መደበር ኣየር መልስብሮክ ክኣትዉን

19፡10 ንኽብሮም ወግዓዊ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ክፍጸም እዩ።

ዓርቢ ዕለት 27 መስከረም 2024 ዓ.ም.

ብራስለስ – ለውቨን

09:15 ንኽብሪ ህዝብን ሃገረ በልጅምን ኣብ ቤተ ንጉስ በልጅም ምብጻሕ ከካይዱ እዮም

09:45 ምስ መራሔ መንግስቲ በልጂም ክሌኣዊ ርክብ ከካይዱ እዮም

10፡00 ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡን ድሕሪ ንኽብሮም ዝቐርብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልኽቲ መደረ ከስምዑ እዮም።

16፡30 ምስ መምሃራን መንበረ ጥበብ ካቶሊከ ሉቨን ክራኸቡን መደረ ከስምዑን እዮም።

ቀዳም ዕለት 28 መስከረም 2024

ብራስለስ – ሉቫይን-ላ-ኖቭ

10፡00 ምስ ጳጳሳትን፡ ካህናትን፡ ዲያቆናት፡ ገዳማውያንን ገዳማውያትን፡ ተማሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ሃዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ዝተዋፈሩን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ኮከልበርግ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ልቢ ክራኽቡን መደረ ከስምዑን እዮም።

16፡30 ምስ ተመሃሮ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ደ ሉቫይን ክራኸቡን መደረ ከምስዑን እዮም

18፡15 ኣብ በልጂም ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር የሱሳውያን ኣብ ቅዱስ ሚሸል ተቕዋም ብግሊ ክራኸቡ እዮም

ሰንበት ዕለት 29 መስከረም 2024

ብራስለስ – ሮማ

10፡00 ኣብ ስታድዩም ንጉስ ባውዱይን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክደግሙን እዮም

12፡15 ኣብ መደበር ኣየር ሜልስብሮክ ንኽብሮ ወግዓዊ ናይ ስንበታ ስነ ስርዓት

12፡45 ካብ መደበር ኣየር መልስብሮክ ናብ ከተማ ሮማ ብነፋሪት ክነቕሉን

14፡55 ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሮማ/ፊዩሚቺኖ ክበጽሑ ምዃኖም እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት መግለጺ ይሕብር።

20 July 2024, 16:39