ድለ

ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ቅድሚ እንርዮ ዘሎና ህልው ኩነታት ዓለም ሰላም ምድንፋዕ ህጹጽ እዩ ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ቅድሚ እንርዮ ዘሎና ህልው ኩነታት ዓለም ሰላም ምድንፋዕ ህጹጽ እዩ 

ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ቅድሚ እንርዮ ዘሎና ህልው ኩነታት ዓለም ሰላም ምድንፋዕ ህጹጽ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 1500 ዓመት መንፈሳዊ ኣኽብሮት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘፖርቲኮ ሓላዊት ቅድስቲ ዘለኣለማዊት ከተማ ናብ ኣባ ፒኮሎ ሓለቓ ካህናት ማሕበር እመ ኣምላክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ማሕበር ካህናት "ንሕይወትና መለለዪ ዝኾነ ብዙሕ ዓይነት ድኽነት ኣብ ግምት ብምታው ምጽንናዕን ሓገዝን ብምሃብ፡ ንጽጉማትን ኣብ ሕሱም መነባብሮ ንዝርከቡ ምቕባል ዘለዎ ዋጋ ክንከናኸንን ከስፍሕን" ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሰላም ተማሕጸኑ "ሃነጽቲ ሰላም" ኩኑ፥  እዚ ዕድመ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ "እዚ ሕጂ ኣብ ዓለም ዘሎ ተርእዮታት ኣብ ግምት ብምታው፡ ኣብቲ ንዝኽሪ መበል 1500 ዓመታት መንፈሳዊ ኣኽብሮት ነቲ  ኣብ ፖርቲኮ ዝርከብ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘፖርቲኮ ሓላዊት ዘልኣለማዊት ከተማ ምኽንት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ "ኣደኣዊ ወጅሂ ኣምላኽ፡ ድሙቕ መብራህቲ ንደቃ ናብቲ ውሑስ መዕቆቢ ዝኾነ ወደብ ዝመርሕ እዩ . . . ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ብፍላይ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ከቢድ ህሞት ገዛእ ርእሳ ኣስተርያ ኣብ ልዕሊ እቶም ብፖለቲካዊ ውዲትን ሓድሕድ ምቅትታል ኣሕዋትን - ብኲናት ኣብ መንጎ ኣሕዋት ጅሆ ተታሒዞም፡ ንእምነት ከይከሓዱ ንሰላም ዝሳቐዩን ዝሞቱን ንር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ቀዳማይ መንጠሊና ዝዘርገሐት" እንክብሉ ናብቲ ካብ 1601 ዓ.ም. ኣትሒዙ ነቲ ናይቲ ቅዱስ ምስሊ መንፈሳውነት ብሓላፍነት ንዝተዋህቦ ንማሕበር ካህናት እመ ኣምላኽ ሓለቓ ኣባ ኣንቶንዮ ፒኮሎ፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ሃነጽቲ ሰላም

እቲ ብዛዕባ ታሪኽ እተዋህበ መወከሲ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ እዚ ብዓመጻ እተለበጠ መዋእል እናሕሰቡ - "እዚ ሎሚ ዘሎ ዘሰክፍ ከቢድ ዅነታት እናሃለወ ኽነሱ ሰላም ናይ ምድንፋዕን ሰላም ናይ ምጽላይን ህጹጽነት ከመይ ጌርና ኢና ኽንርድኦ ዘይንኽእል? ቅድም ቀዳድም ኣብቲ ዝተዓረቐ ማሕበርሰብኩም ሰላም ክትሃንጹ ጽዓሩ። ኣብነት ሕውነትኩም ነቶም ንኣገልግሎት ጕስነትኩም እግዚኣብሔር ንዝሃበኩም ምእመናን ማራኺ ወንጌላውነት ይኹን" እንክብሉ ይምዕዱ።

መሰረት ናይቲ ስርዓት

ፍራንቸስኮ ኣብዚ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ዝኽሪ ምስቶም ኣባላት ስሩዕ ማሕበር ኣገልገልቲ ካህናት ስድራ ቤት እመ ኣምላኽ  ቅርበቶም ብምርግጋጽ፣ እዚ ድማ ነቲ ናብ 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ንምድላው ኣብ 2024 ዓ.ም.  ነካይዶ ዘሎና ጉዕዞ ጸሎት "ሓልዮታዊ ኣጋጣሚ" እዩ። እቲ መንፈሳውነት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ዘፖርቲኮ ዘነቓቕሕ ማሕበር ካህናት እመ ኣምላኽ ዝመስረተ ናይ ስነ ቀመማ መድሃንቲ ሊቅ ቅዱስ ጆቫኒ ሊዮናርዲ ውፉይ ንማርያም ነቲ ናይቲ ቅዱስ ምስሊ መንፈሳውነት ከም ህያብ ዝተቐበለ እንክብሉ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እንግዶት ንድኻታት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ መልእኽቶም ርእሰ መበቆል መንፈሳውነት ቅድስተ ማርያን ዘፖርቲኮ ኣብ ዞባ ካምፒተሊ እናሓሰቡ፡ እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ዕለት 17 ሓምለ 524 ዓ.ም. "ዘደንቕ ግልጸት እመ ኣምላኽ" ኣብ ቤት ቅድስቲ ጋላ ዝተባህለት ሮማዊት ፓትሪዚያ ዝተወልደ ከም ዝኾነ ድማ “ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ጋላ ኣብ ፖርቲኮ ንድኻታትን ነጋድያንን ዝቕበል መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም መዕቆብን ቤት ግብረ ሰናይን ዘበገሰቶ ዕላማ ንዓኻትኩም ወረስቲ መንፈሳዊ ህያብ ቅዱስ ሊዮናርዲ፡ ንጽጉማትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ብናይ ምእላይ ክቡር ዋጋ ክትከናኸኑን ከተስፍሑን ዝዕድም እዩ፡ እዚ ድማ እንነብረሎም ቦታታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ንባዕለን ንዓለም፡ ብዙሓት ዓይነታት ድኽነት ኣብ ዝርኣየሉ እዋን ምጽንናዕን ሓገዝን እነቕርበሉ ክኽውን ይድርኸና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሚስዮናዊ ቅንኣት

በዚ መንፈስ እዚ ሊዮናርዲ "ማሕበር ተሃድሶ ካህናት ብመንፈሳውነት ቅድስት ድንግል ማርያም" ዝመስረተ፣ ብልክዕ ንቤተ ክርስቲያን ናብ "ሓዋርያዊ ብርሃን መበቆላ" ንምምላስ ዝኣመተ እዩ። “ቀዳምነት ክርስቶስ ማእከልነት ክርስቶስ ክርስቶስ መዐቀኒ ኩሉ! ክርስቶስ ሕማማት ቤተ ክርስቲያንን ሰብን ክፍውስ ዝኽእል እንኮ መድሃኒት እዩ፡ ዝብልን ዝምስክርን እዩ” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣጒሊሖም እቶም ካህናት ቅድስቲ ማርያም እመ ኣምላኽ "ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣእምሮን ልብን ክብርን ሞጎስን ክርስቶስን ናይቶም ናይ እዋንና ስቁል ክርስቶስ ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘዘኻኽር ናይቲ ማሕበር መስራቲ ቅዱስ ሊዮናርዲ መንፈሳውን ሰብኣውን ውርሻ ብምቕባል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝዓቢ ወንጌላዊ ቅንኣት ክነብሩ ተላብዮም . . . ካብዚ ብምብጋስ "ናይ ጸጋ መትረብን መጋበርያ ፍሱህ ብስራተ ወንጌልን ክኸውን ንዝኽእል ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘሰንይ ኩለንተናዊ ውሁድ ህንጸት ንካህናት” ዘለዎ ኣገዳነት ብምዝኽካር መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 July 2024, 16:22