ድለ

Pope Francis in Portugal Pope Francis in Portugal  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ንእስነትኩም ህያብ ንኢየሱስ ይኹን'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 15 - 20 ሓምለ ኣብ ፓራጉዋይ ርእሰ ከተማ ኣሱንሲዮን ዝካየድ ናብ ዘሎ መበል XXI ኣኼባ ሃገራዊ ኣካየድቲ ሓዋርያዊ ጉስነት ንመንእሰያት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ክርስቶስ ነቲ ባህርያዊ ትስፍውነት ናብ ሓቀይናን ጭቡጥን ፍቕሪ ይቕይሮ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ክርስቶስ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ትስፍውነትኩምን ኣረኣእያኹም ናብ ሓቀይናን ጭቡጥን ፍቕሪ ይቐይሮ፣ ንእስነትኩም ንኢየሱስን ንዓለምን ህያብ ክኸውን፡ ህይወትኩም ከኣ ብፍቕሪ፡ ቅንዕና፡ ሓቀይን ጭቡጥን ብብቑዕን ፍርያምን መንገዲ ኣቢልኩም ንኸተወፍዩ የብቅዓኩም" ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ ነቲ ካብ ዕለት 15 - 20 ሓምለ ኣብ ፓራጓይ ርእሰ ከተማ ኣሱንሲዮን ናብ ዝተኣከበ መበል XXI ኣኼባ ኣካየድቲ ሃገራዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንመንእሰያት ካሪብያንን ላቲን ኣመሪካን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ንተሳተፍቲ ሰላምታ ብምቕራብ ዘለዎም ሓጎስ እንክገልጹ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰያት ዝኸውን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘለዎ ክቡር ዋጋ ኣስሚሮም፡ መንእሰያት ዘለዎም ውዕዉዕ ሓይሊ ክርስቶስ ንኽጥቀመሉ ዝፈቕዱ ይኹኑ” እንክብሉ ዓዲሞም፥ "እቲ 'ተንስእ' ዝብል ናይ ኢየሱስ ትእዛዝ ዕማምን ሓላፍነትን እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንእግዚኣብሄር ኣይትፍራሕ

"ብኣና ዝሓልፍን ኣብ እዝንና ሕሹኽ ዝብለናን፡ ተንበርኪኹ ኣብ ዝወደቕናሉ እዋን ከልዕለና ኢዱ ዘቕርበልና ጐይታ ኣይትፍርሑ . . . ኢየሱስ ተንሲእና ብእግርና ደው ክንብልን እዩ ዝደልየና እሞ ናብ ህይወትና ንኽኣቱ ንፍቐደሉ እግዚኣብሔር ናብ ህይወትና ንኽኣትው ኣይንፍራሕ!”

"ነቲ ካብኡ ዝመጽእ ዘይዋገ ክንበር ዝግብኦ ሓድሽ ህይወት ንኽንነብር ንዓኡ ማዕጾታት ልብኹም ጋህ ኣቢልኩም ክፈቱሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ማርያም ኣደኣዊ ፍቕሪ እያ ተሰንየና

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ነቶም ዝተኣከቡ ንእኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ሕድሪ ኣረኪቦም፥ "ንስጉምትኹም እተሰንይ ፍቕሪ ኣደ ተማልደልኩም . . . ምስ ህጻናት፡ ዓበይትን ኣረጋውያንን ብሓባር፡ ኣብ መንጎ ወለዶታት ኣብ ዝግበር ሱታፌ፡ ኣብታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ሲኖዶሳዊት፡ ወደ መዝሙር ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ቀንዲ ተዋሳእትን ልኡካን ወንጌልን ክትኮኑ መታን" ቢሎም፥ ብፍሉይ መንገዲ "እዚ ኣኼባ ፍርያም ክኸውን ብተወፋይነት ዝሰርሑ - ንመንእሰያት ፓራጓይያ አመስግኖም" ምስ በሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥

ነዘን ቅንያት እዚኣተን ብሓንሳብ እምነት ብምስጋና ክነብሩ ኣተባቢዖም፥ ብተመሳሳሊ ኣብዚ ናይ ጸሎት ዓመት ቀጻሊ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ብታሕጓስ ተስፋ ከብዕሉ ገዛእ ርእሶም ከዳልዉ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 July 2024, 16:19