ር. ሊ. ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዋዜማ ክብረ በዓል ክሳተፉ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዓመታዊ ዕለት 5 ነሓሰ ምእመናን ሰበኻ ሮማ ኣብቲ ኣባ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዓቢይ ዝካየድ ንግደት እመቤትና ቅድስተ ማርያም ዘውርጪ የብዕሉ ኢዮም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከኣ ሎም ዓመት አብዚ ክብረ በዓል እዚ ምሳታቶም ኪሓብሩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዘወጸ መግለጺ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልክዕ ሰዓት 5፡30 ድ. ቐ. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ክርከቡ ኢዮም። ኣብቲ ብሊቀ ጳጳሳት ሮላንድስ ማክሪካስ ተካኢ-ሊቀካህናት ናይዛ ባዚሊካ ዝመርሕዎ ጸሎተ ዋዜማ ክሳተፉ ኢዮም።
ቅዱስነትም ኣብ መላእ ዘመነ ጳጳስናኦም ዘርኣይዎ ፍሉይ መንፈሳውነትን ፍቕርን ኣብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ በቲ ቅድምን ድሕርን ሓዋርያዊ ዑደታቶም ዘካይድዎ ምብጻሕ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይን ኣብ ቅድሚ ኣይቆና ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ንጉዕዞኦም ብምውፋይ ብምምስጋን ዝተመስከረ ኢዩ።
ብመሰረት እቲ ብሕታዊ መንፈሳውነቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ውን ናብ ኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር-ለስተ ከምኡውን ሲንጋፖር ድሕሪ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ክበጽሑ ምዃኖም ውን ተስፋ ይግበር።
ጽንብልን ዝኽሪ ቡራኬን ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ
ብመሰረት እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝወጸ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ምእመናን ሰበኻ ሮማ ኣብቲ ሥነ-ስርዓተ ጽንብልን ንግደትን ዝኽሪ ቡራኬ ቤተ መቅደስን ንምኽባር ኣብ ዝግበር ሥርዓታት ክሳተፉ ኢዮም ።
ኣብቲ ዕለት እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ሰዓት 10 ቅ. ቐ. መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኽብሪ እኖና ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘውርጪ ዝዓርግ ማለት ኣብቲ ጻዕዳ ዕምባባታት ካብ ሰንቀ እቲ ቤተ መቕደስ ዝረግፈሉ ስርዓት ክፍጸም ኢዩ።
ድሕቲ ቀትሪ ሰዓት 5 ኣብ ዝካየድ ጸሎት ዋዜማ ውን እዚ ናይ ጸዕዳ ዕንባባታት ምርጋፍ ሥርዓት ክድገም ኢዩ።
ደድሕሪ ጸሎት ዋዜማ ድማ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ሊቀጳጳሳት ኤሚልዮ ናፓ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ልክዕ ሰዓት 7 ድ.ቀ. ክካየድ ኢዩ።
ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ነሓሰ 352 ዓ.ም. ዝወረደ ውርጪ
ትውፊት ከም ዘመልክቶ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ብርቱዕ ሃሩር ነሓሰ 352 ዓ.ም. ኣብ ኵርባ ኢስኲሊን ውርጪ ከም ዘውረደት እዩ ዚገልጽ።
ሓደ ሮማዊ ካብ ንጉሣዊ ስድራቤት ምስ በዓልቲ ቤቱ፣ ወራሲ ዝኾኖም ውሉድ ስለዘይ ነበሮም፣ ንዝነበሮም ሃብትን ጥሪትን ብኸመይ ከም ዘመሓድርዎ ንኽገልጸሎም ናብ ኣምላኽ ጸለዩ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ እቲ ካብ ንጉሣዊ ስድራቤት ዝኾነ ሰብኣይን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊበርዩስን ዝሓልምዎ ሕልሚ፣ ኣብ ታባ ኢስኲሊን ኣብ ዚርከብ ቦታ ቤተ-ክርስትያን ክሃንጹላ ከም እትደሊ ገለጸትሎም።
ኣብቲ ግዜ እቲ ብርቱዕ ሃሩር ሓጋይ እኳ እንተ ነበረ፣ ብ5 ነሓሰ 352 ግን ቕኑዕ ርቡዕ ኵርናዕ ዝቕርጹ ውርጪ ከም ዝወረደን ቀልጢፉ ከም ዘይመኸኸን ይዝንቶ።
ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ድማ ኣብቲ ቦታ እቲ ተሃንጸ ብ354 ዓ.ም. ድማ ተዛዘመ ።
ቀስ ብቐስ ንጥፈታትካ ምቕጻል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብቲ ንግደት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝግበር ዓመታዊ ክብረ በዓል ብምስታፍ ዘካይድዎ ንጥፈታት ብዘይካ እቲ ናይ ዕልተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን ኣብ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ካብ መብዛሕትኡ ንጥፈታቶም ዘዕርፍሉ ወርሒ ሓምለ ድሕሪ ምዝዛም ኣባኡ ክረቡ ኢዮም ኢዮም ።
ጸኒሖም ድማ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ብ7 ነሓሰ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክቕጽሉ ኢዮም ።