ድለ

ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ሮማንያ፡ ተሰከምቲ ተስፋ ኩኑ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጥበብ ተጠቐሙ! ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ሮማንያ፡ ተሰከምቲ ተስፋ ኩኑ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጥበብ ተጠቐሙ!  (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ሮማንያ፡ ተሰከምቲ ተስፋ ኩኑ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጥበብ ተጠቐሙ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማኒያ ካብ ሃገረ ስብከት ኢያሲ ካቶሊካውያን መንእሰያት ንዝተላእከሎም መልእኽቲ መልሲ ከም ዝሰደዱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ሃገረ ስብከት ኢያሲ ሮማንያ ኣብ ዝጸሓፍዎ ክፉት ደብዳበ "ኣብ ዓለም ሰናይን ፍቕርን ንምዝራእ ኣብ ኢድኩም ዘሎ ኩሉ መሳርሒ ተጠቒምኩም ተሰከምቲ ተስፋን ሃነጽቲ ድልድላትን ኩኑ" ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ናይ መልሲ ደብዳቤ ከም ዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 18 - 19 ግንቦት ኣብ ሮማኒያ ኣብ እትርከብ ሰበኻ ኢያሲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ መንእሰያት ብዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣቢሎም ተጋባእያን መንሰያት ንዝለኣኹሎም መልኽቲ መልሲ ምዃኑ የመላኽት።

ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጥበብ ተጠቐሙ

ቅዱስ ኣቦና ብናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ሃገረ ስብከት ኢያሲ ብወግዒ ኣብ ዝተሓትመ መልኽቶም፥ መንእሰያት ማሕበራዊ መራኸቢታት "ብትብዓትን ብመሃዝነትን ብምጥቃም፡ እቶም ዝሃንጹ ክብርታት ማለት ዕርክነት፡ ሰላም፡ ዘተ ኣብ መንጎ ብሄራትን ባህልታትን፡ ስድራ ቤት፡ ከምኡ'ውን ክርስትያናዊ ክብርታት" ኣብ ምትሕልላፍ ክተግሁ ኣተሓሳሲቦም፥ ጊላዎት ናይ ኢድ ተለፎን ኮይኖም ኣብ ሓሳባዊ (ምናባዊ) ህይወት ተዓጽዮም ህይወቶም ከየማስኑ ድማ፡ "ናብ ዓለም ወጺእኩም፡ ምስ ሰባት ተራኸቡ ዛንታታቶም ስምዑ፡ ንኣዒንቲ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ጠምቱ። . . . ኣብቲ መዓልታዊ ዝንበር ሰብኣዊ ርክብ፡ ቀጥታውን ቅንዕናውን ርክብ ሓቀይና ሃብቲ ዝቖመሉ እዮ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሃገራዊ ኣኼባ መንእሰያት

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን መንእሰያት መላእ ሮማንያ ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዞባ ብራሶቭ ንኸካይድዎ ብመደብ ተታሒዙ ኣብ ዘሎ ቅነ ክሳተፉ ድማ ዓዲሞም፥ "ብእምነት ብሓባር ክትዓብዩ፡ ተመኩሮታት ክትካፈሉ፡ ከምኡ'ውን ክርስትያናዊ ጉዕዞኹም ከተደልድሉ ክቡር ኣጋጣሚ ኣዩ - ቢሎም - ቅድሚ ነቶም መንእሰያት ስለይ ጸልዩ ብዝብል ዕድመ መልኽቶም ምዝዛሞም፥ "መንፈሳዊ ደገፍኩም ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣውነትን ንኸገልግሉ ዝሕግዘኒ ብዋጋ ዘይሽነን ህያብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 July 2024, 16:43