ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ጸሎተ ንዋም ብቋንቋ ላቲን
መርሓ ግብሪ ፈነወ
Aftermath of the landslide following heavy rains that buried people in Gofa zone Aftermath of the landslide following heavy rains that buried people in Gofa zone 

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ግዳያት ምህማም ምድሪ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ግዳያት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ዝኾኑ ሰባት ጸለዩም ። መዓትን ጥሜትን ኣብ መላእ ዓለም ይቕጽል እኳ እንተሎ ኣጽዋር ምፍራይን ምሻጥን ግን ውግእን ስቓይ ደቅሰብን ከም ዘጐሃህር ይገብር ምህላዉ ጓሂኦም ገለጹ። ከምኡ ውን ነታ ትማሊ ሰንበት ተዘኪራ ዝወዓለት መዓልቲ ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ሽማግሌታትን ዝተወፈየት ዓለምለኻዊት መዓልቲ ዘኪሮም ፣ ንኵሎም ወትሩ ክንዝክሮምን ክንሕግዞምን ከም ዘሎና ውን ተማሕጽኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ነቶም ግዳያት ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከብ ቍሸት ዘጋጠመ ዓቢ ምህማም ምድሪ ብምዝካር ጸሎት ኣዕሪጎም ። ምስቶም ስቓይ ዝወረዶም ሰባትን ምስቶም ሓገዝ ዝህቡ ናይ ህይወት ኣድሕን ሰራሕተኛታትን ከም ዘለዎም ቅርበት ውን ገለጹ ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ዞባ ጎፋ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኽልተ ሓደጋታት ምህማም ምድሪ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት 257 በጺሑ ከም ዘሎና ጌና ይውስኽን ኣሎ፣ እቶም በዚ ባህርያዊ ሓደጋ እተፈናቐሉ ሰባት ውን  ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት የድልዮም ኣሎ ። እቲ ቐዳማይ ኣብ ሓደ ኣኽራን ዝበዝሖ ኸባቢ ኬንቾ ሻንቻ ጎዝዲ ብ21ን 22 ሓምለን ብርቱዕ ዝናም ብምዝናሙን፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ነቶም ህይወት ሰባት ንምድሓን እተኣከቡ ዘጋጠሞም ሓደጋታት ኢዩ።

ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዓለም ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ብመዓት ውግእ ይሳቐዩ ኸም ዘለዉ ዘኪሮ፣  እንተዀነ ግን ኣጽዋር ምፍራይን ምሻጥን ይቕጽል ኣሎ፣ እዚ ድማ ንዓበይትን ንኣሽቱን ውግኣት ዘጐሃህርን፣ ንዓለምለኻዊ ሃብቲ ድማ ዘዕኑ ዘሎን ኢዩ በሉ ። ንደቅሰብ "ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ምዝካር

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ብዕለት 28 ሓምለ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ሽማግሌታትን ተዘኪሩላ ዝዕል ዕልት ዘከሩ፣ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ በቲ ካብ መጽሓፍ መዝሙር ዳዊት እተወስደ "ብእርጋነይ ኣይትደርብዩኒ" ዝብል ጭርሖ ዘለዋ ኢያ። ብፍላይ ኣብ ሓጋይ ጽምዋ ኸቢድ ጾር ኣብ ዚዀነሉ እዋን ንኣረጋውያን ሽማግሌታን ምጥንጣኖም ኪፍታሕ ዘለዎ ዜሕዝን ሓቂ ምዃኑ ገለጹ።

ድምጺ እቶም 'ኣይትሕደጉኒ!' ዚብሉ ኣረጋውያን ኪሰምዑን 'ኣየድፈካን እየ!' ቢሎም ክምልሱሎምን ንኹሉ ጻውዒት ኣቕረቡ።  መጻኢና ኣብቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ደቂ ደቅናን ብሓባር ምንባር ዚመሃሩሉ መገዲ ስለ ዚምርኰስ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ደቅናን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ዘሎ ኺዳን ኬደልድሉ ኣተባብዕዎም። ኣብ መደምደምታ ኸኣ ኵሉ ሰብ ንኣረጋውያን ወትሩ ኺዝክርዎምን ንዅሎም ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ናይ ምትብባዕ ጠቕዒት ከጣቕዑሎም ብምሕታት ምሕጽንታኦም ዛዘሙ ።

29 Jul 2024, 14:52
Prev
February 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
232425262728 
Next
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031