ድለ

ሃይማኖታት ዓለም ኣብ “ጸዋዕታ ሮማ ስነ ምግባር ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ” ሰነድ ይሓብራ ሃይማኖታት ዓለም ኣብ “ጸዋዕታ ሮማ ስነ ምግባር ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ” ሰነድ ይሓብራ  (cem)

ሃይማኖታት ዓለም ኣብ “ጸዋዕታ ሮማ ስነ ምግባር ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ” ሰነድ ይሓብራ

ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ሃገረ ጃፓን ከተማ ሂሮሺማ ብምርኻብ “ጸዋዕታ ሮማ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ - ምግባር” ሰነድ ብምፍራም፡ ንዕቤት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሰላም ብዝድግፉ ስነ-ምግባራዊ መትከላት ምምራሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራሕቲ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ጃፓናዊት ከተማ ሂሮሺማ ተኣኪቦም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ብስነ-ምግባርን ብሓላፍነትን ንሰላም ክምዕብል ከም ዘለዎ ንምዝኽካር ዘለዎም ተወፋይነት ደጊሞም የረጋግጹ።

“ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ-ምግባር ንሰላም፡ ሃይማኖታት ዓለም ንጸዋዕታ ሮማ ቃል ይኣትዋ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም (PAV)፡ ሃይማኖታት ንሰላም ጉባኤ ጃፓን፡ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መድርኽ ኣቡዳቢ ንሰላም ከምኡውን ዋና ራባያዊ ሽማግለ እስራኤል ንጉዳያት ውስጠ ሃይማኖታዊ ርክባት ብሓባር ዘዳለውዎ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምፍርራም “ጸዋዕታ ሮማ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ-ምግባር”

እቲ ዕለት ዕለት 9 ሓምለ ዝጀመረ ብዙሓት ሃይማኖታት ዝሓቖፈ ዓውደ ጉባኤ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ብጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ዝወጸን ብዳግመ ሕዳሴ ማሕበር ዝስጉምን “ጸዋዕታ ሮማ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ-ምግባራዊ መትክል” ዝብል ሰነድ ኩለን ሃይማኖታት ዝፍርማሉ መድርኽ ከም ዝነበረን፡ እዚ ድማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብስነ-ምግባራዊ መትከላት ክምራሕ ብምግባር ንሰናይ ሰብኣውነት ከምዘገልግል ምርግጋጽ ዝብል ዕላማ ንምምልካት ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ብትካል ማይክሮሶፍት፣ ኣይቢኤም፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO)ን መንግስቲ ኢጣልያን ዝኸተመኦ ኣብ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ስነ - ምግባራዊ ኣቀራርባ ንምዕባይን ኣብ መንጎ ትካላት፣ መንግስታት፣ እደ ጥበባዊ ሓበሬታ ናይ ሓላፍነት ስምዒት ንምድንፋዕን ዝዓለመ እዩ። (IT) ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ምህዞን ምዕባለ እደ ጥበብ ሰብኣዊ ሰብኣዊ ብልሕነትን ፈጠራን ሰብኣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብን ተፈጥሮን እናሓለወ ኣብ ምግልጋል መጻኢ ንምቕራጽ መታን ክከኣል እዩ ይብል።

ብAI - ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንዝመጹ ብድሆታት ብዝሃ-ሃይማኖታዊ መቓርብ

ኣብርሃማዊ ሃይማኖታት (ክርስትና፡ እስልምናን ኣይሁድነትን) “ጸዋዕታ ሮማ” ብስም ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ሓባራዊ ክብርታትን ድሕሪ ምፍራመን፡ እቲ መደብ፡ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ኣቀራርባ ናብ. . . ከም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ-ምግባር ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ዝመርሕ መንገዲ እዩ።

ኣዳለውቲ እቲ ሎሚ ዕለት 10 ሓምለ ዝተዛዘመ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሂሮሺማ ንሳዕቤናት ኣዕናዊ እደ ጥበብ ነባሪ ጻዕሪ ሰላምን ሓያል ምስክር ኮይና ደው ዝበለት ብምዃና ነቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብታ ከተማ ክካየድ ምግባር እቲ ቦታ ፍሉይ ትርጉም ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ሓባር ሓላፍነት ሰላምን ናይ ሓባር ቤትናን

ኣቦ መንበር ናይ ቫቲካን ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ሕይወት ጳጳስ ቪንቸንዞ ፓሊያ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ዓቢ መሳርሒ ምስ ደረት ኣልቦ ናይ ኣተገባብራ ተኽእሎታት” ብምባል ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ምሕላውን ናይ ሓባር ቤትና ምዕቃብን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ይስጉም። "እዚ ናይ ሓባር ሓላፍነትና፡ ኣብዚ ናይ ሓባር ጻዕሪ ድማ ናይ ብሓቂ ሕውነት ዳግማይ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና" እንክብሉ ርእይቶ ከም ዝሃቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

“ኣብታ ኣዝያ ምሳልያዊት ቦታ ዝኾነት ሂሮሺማ፡ ሰላም ብትሪ ንጽውዕ፡ እደ ጥበብ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንሰላምን ዕርቅን ዝድርኽ ክኸውን ንሓትት። ኣብዚ ደው ኢልና፡ ብሓባር ኴይንና፡ ብሓባር ደው ምባልን ብሓባር ምውሳእን እቲ እንኮ ክኸውን ዝኽእል ፍታሕ ምዃኑ ዓው ኢልና ነቃልሕ”

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምትሕብባር፣ ምትሕግጋዝን ስነ-ምግባራዊ ቅንዕናን

ቃላት ጳጳስ ፓሊያ ብናይቶም መራሕቲ ናይቶም ካልኦት ኣዳለውቲ መሻርኽቲ ከም እተቓለሐን፡ "ምዕባለታት ሰብ ሰርሖ ኣሰተውዕሎ ንምግጣም ምትሕብባር፡ ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ወፍርን ኣድላዪ'ዩ" እንክብሉ ኣቦ መንበር መድርኽ ሰላም ኣቡ ዳቢ ሸኽ ዓብደላ ቢን ባያ፥ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሰናይ ሓይሊ እዩ - ፍረታት እደ ጥበብ ተጠቒምካ ዝያዳ ተጻዋርነት ዘለዋ፡ ሰላማውን ሰናይ ስነ - ምግባር ዘለዋን ዓለም ንምህናጽ ዝሕግዝ መጻኢ'ዩ" ከም ዝበሉን፥

ኣቦ መንበር ናይ ጃፓን ሃይማኖታት ንሰላም ማሕበር መጋቤ እምነት ቡድሃ ዮሺሃሩ ቶማትሱ ብወገኖም፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ንኹሉ ሰብ ሓቛፍነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን” ዘስፍሕ ክኸውን እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ኣብ ጃፓን ሃይማኖታት ንሰላም ማሕበር ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ከም እምነት ዘለዎም ሰባት መጠን “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብግብረ ገባዊ ንጹርነትን ስነ-ምግባራዊ ቅንዕናን ዝምራሕ ክኸውን ኣብ ምግባር ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም” ኣባል ዋና ራባያዊ ሽማግለ እስራኤል ራባይ ኤሊዘር ሲምሃ ዋይዝ ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹን ብተወሳኺ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ከም መጋበርያ ምዕባለ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ መለኮታዊ ርክብና ንምዕማቕን መንፈሳዊ ጉዕዞና ንምድልዳልን ከም መተሓላለፊ መንገዲ ምጥቃም ከምዘድሊ ኣጒሊሖም፡ "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት የደልድል፡ ንዝተሓላለኸ ፍጥረታትን ምስጢራት ህላወን ንምድህሳስ መገድታት ይህብ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ስነ-ምግባራዊ ምሕደራ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

ካልኦት ኣብቲ ናይ ዕለት 9 ሓምለ መደረ ዘስምዑ፥ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ መምህር ስነ - ምግባር እደ ጥበብ ኣባ ፓውሎ ቤናንቲ፥ ሂሮሽማ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ኣብ ምሕደራ ኣፍራዪነት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እቲ ተበጽሖ ዓቕሙ ንሰናይ ሰብኣውነት ንኽውዕል ካብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ቀጻሊ ተወፋይነት ክህሉ ዝሓትት መመላእታ እያ ከም ዝበሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ናይ ዕለት 9 ሓምለ ዋዕላ ወከልቲ ከም ማይክሮሶፍት፣ ኣይኤምቢ ሲስኮ ዝኣመሰላ ትካላት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከምኡ’ውን ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራትን ናይ መግብን ሕርሻን ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት መደረ ከም ዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 10 ሓምለ “ጸዋዕታ ሮማ፥ ስነ ምግባር ኣብ ምሕደራ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ“ ዘርእስቱ ሰነድ፥ ድሕሪ ናይ ሓደ ካብቶም ኣቶሚክ ቦምብ ዝደሓነ ኣብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝኽሪ ሰላም ሂሮሺማ ዝተሰምዐ ምስክርነት ብምፍራን ከም እተዛዘመን ተጋባእያን ንዝኽሪ እቶም ብኣቶሚክ ቦምቢ ዝሃለቑ ኣብ ዝቖመ ሓወልቲ ፊት ዕንበባ ከም ዘንበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 July 2024, 17:28