ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ነሓሰ፦ “ምእንቲ ፖለቲካውያን መራሕቲ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንወርሒ ነሓሰ ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት ምእንቲ ፖለቲካውያን መራሕቲ ንህዝቦም ብትሃትን ተወፋይነትን ምእንቲ ኬገልግሉ ክጽልየሎም ጻውዒት ኣቅሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ፖለቲካ ሓባራዊ ጥቕሚ ስለ ዝደሊ ሓደ ኻብቲ ዝለዓለ ዓይነት ግብረ-ሰናይ ኢዩ።”

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝጸልይዎ ጸሎት ምእመናን ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕረበሎም - "ፖለቲካውያን መራሕቲ ንምሉእ ሰብኣዊ ዕቤትን ንሓባራዊ ጥቕምን ንምህናጽ ንኽዓዩ፣ ነቶም ስራሕ ኣልባ ዝኾኑ ብምክንኻንን ንድኻታት ቀዳምነት ብምሃብን ንህዝቦም ከገልግሉ ኣለዎም፣" ክብሉ ምሕጽንታ ኣቕረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ ሓሳብ ጸሎት ናይ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝገልጽ ናይ ቪድዮ መልእኽቶም "ፖለቲካ ጽቡቕ ስም የብሉን" ብምባል ኣፍልጦ ሃቡሉ። ይኹን እምበር ፖለቲካ ኣብ ክንዲ "ፖለቲካዊ ምትእትታው" - "ነቲ ብሓቂ ዝፍጸም ዘሎ ጽን ኢሉ ክሰምዕ ዘለዎ ኢዩ" በሉ። ንድኻታት ንምግልጋል... ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኣልባ ዝኾኑ ሰባትን ክግደስ ኣለዎ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ከምዚ ጌርና እንተ ርኢናዮ ፖለቲካ ኻብቲ እንዕዘቦ ዘሎና ንላዕሊ ኽቡር እዩ " በሉ ።

ስለዚ ምእንቲ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኽንጽሊ ኸለና "ነቶም ሓላፍነቶም ብሓይሊ ዘይኰነስ ብዅሉ ጻዕርታቶም ናብ ሓባራዊ ጥቕሚ ዘውዕሉ ፖለቲከኛታት" ከነመስግኖም ከም ዘሎና ውን ኣመልከቱ።

ስለምንታይ ኢና ምእንቲ ፖለቲካውያን መራሕቲ እንጽሊ?

ኣህጉራዊ ኣመሓዳሪ ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሬደሪክ ፎርኖስ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝጽልይዎ ሓሳብ ጸሎት መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ "ስለምንታይ ኢና ምእንቲ ፖለቲካውያን መራሕቲ እንጽሊ?" ክብል ሕቶ የቕርብ።

ይኹን እምበር "ፖለቲካውያን መራሕቲ ኮይኖምዎ ዘለዉ እቲ ንሕና ክኾንዎ ዝገብርናዮም ኢዩ። ብቓላትናን ብሓሳባትናን ኣብ ክንዲ እንንዕቖም እነቖጥዖምን ከምቶም ንሕና ክኾንዎ እንደልዮም መራሕቲ ሰብኡትን ኣንስትን ንኪዀኑ ንሓግዞም። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝዕድሙና ዘለዉ ውን ምእንትኦም ንጸሊ።"

ፍራንዝ ፎርኖስ ሓድሓደ ግዜ ፖለቲከኛታት ስሱዓት ወይ ህርፋን ስልጣን ዘለዎም እኳ እንተዀኑ "ንሓባራዊ ጥቕሚ ብሓቂ ዘገልግሉ" ብዙሓት ፖለቲካውያን መራሕቲ ከም ዘለዉ ውን ይዝክር።

ፍራንዝ ፎርኖስ ኣስዒቡ እውን "እንታይ ኢና እንገብር ዘለና ? ኣብ ክንዳኦምከ እንታይ ምገበር ምኸኣልና?" ከምዚ ክብል ድማ ይምልሶ "እቲ ናይ መወዳእታ ምእንታኦም ክንገብሮ ዘሎና፣ ክንጽልየሎም ጥራይ ኢዩ።"

እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ነቲ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሓዊ ነሓሰ ሓሳብ ጸሎቶም ንምስፍሕፋሕ ዝገበርዎ ወግዓዊ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኢዩ ። እዚ ድማ ብዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት (ሓውርያነት ንጸሎት) እዩ ዚፍጸም ። ካብ 2016 ኣትሒዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ  ቪድዮ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቫቲካን ብምዝርጋሕ ልዕሊ 226 ሚልዮን ርኢቶታት ተቐቢሉ ኣሎ ፣ ናብ ልዕሊ 23 ቋንቋታት ድማ ክትርጐም ይርከብ ኣሎ ፣ ኣብ 114 ሃገራት ከኣ ጋዜጣዊ መግለጺ ረኺቡ እዩ ።

31 July 2024, 14:39