ር. ሊ. ጳ. ንኣገልገልቲ መንበረ ታቦት 'ንኻልኦት ኢየሱስ ኣካፍልዎም'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ኣስታት 50,000 ዝኾኑ መንእሰያት ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን ዓሚቝ ትርጕም ናይቲ ንዓለምለኻዊ ፍጻመ ንግደት እተመርጸ ጭርሖ "ምሳኻትኩም ኢየ!" (ኢሳ 41፡10) ኣጕልሑ ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነቲ "ምስጢር ህይወትና" ዝዀነት "ምስጢር ፍቕሪ" እትገልጽ ምዃና ኣመልከቱ።
ምስ ኣምላኽ ምዃን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እዞም ኣግልገልቲ ኣብቲ ዜገልግሉሉ ሥርዓተ ኣምልኾ እዘን ክልተ ቓላት እዚኣተን ቅድሚ ኹሉ ነቲ ኣብ ቅዱስ ቍርባን "ብስጋኡን ደሙን ክርስቶስ ኣማናዊ ጭቡጥ ህላወ ከም ዘለዎ" ህላዌ ኣምላኽ ከም ዜመልክታ ገለጹ።
ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ብምግልጋልኩም ዘሕለፍኩምዎ ተመክሮ እቲ ናይ መጀመርታ ኩነቱ ኣምላኽ 'ምሳኻትኩም' ከም ምዃኑ እዩ ዜዘኻኽረኒ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል ከለና፣ ኢየሱስ ብመንፈሳውን ብስጋውን መዳይ 'ምሳና' ኸም ዝዀነ ብቓላት ዘይኰነስ "ግብሪ ፍቕሪ ማለት ቅዱስ ቍርባን" ከም ዝዀነ ተመኪርናዮ ኢና።
ኢየሱስ ምሳና ስለ ዝዀነ ብሓቂ ምስኡ ኽንከውን ንኽእል ኢና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ኸም ዝገለጽዎ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት እውን "ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 'ኣነ ምሳኻ እየ' ኺብልዎ ይኽእሉ እዮም፣ " የግዳስ ብቃል ጥራይ ዘይኮነን "ብልብን ብኣካልን ብፍቕርኻ ኢዩ" ክብሉ መስከሩሎም።
ብንቕሓትን ኣእምሮን ልብን ኣካላትን ብምግልጋል "ብምስጢር እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ኣምላኽ ንዝኻትኩም ውን ምስ ካልኦት ብሓድሽ መገዲ ንኽትኮኑ የኽእለኩም ኢዩ" ብምባል "ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ዝሃበኩም ትእዛዝ" ንዝበሉ ክትፍጽሙ ትኽእሉ ክብሉ መዓድዎም።
ሳላ ፍቕሩ እቲ 'ምሳኻትኩም ኢየ!'ዝበለ ኢየሱስ ንኻልኦት ከነካፍሎ እንኽእል ናተይ ናትካ ናትና ብምኳን ውን እቲ 'ምሳና ዘሎ' እንካፈሎ ይኸውን።"
ምስ ብጾትና ዘሎና ቅርበት
ስለዚ ምስ ኢየሱስ ምዃን ኪበሃል ከሎ ነቶም ካባና እተፈልዩ "ንሕና ዘይንፈትዎም" እውን ከይተረፈ "ብቓል ብግብሪ ብኣካላዊ መንገዲ ብልብኹም እምበር ብቃላት ጥራይ ኣይንቕረቦም" ማለት እዩ። ንጓኖት፣ ነቶም "ዘይርድኡና" ዘበሉ፣ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዘይመጽኡ፣ ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ዚዛረቡ ኮታስ ንኹሎም ንቕረቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ነቶም ኣዳለውቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትርጕም ዘለዎ ጭርሖ ብምምራጾም ኣመስገንዎም፣ እቶም ናብ ከተማ ሮማ ዝመጹ ነጋድያን ከኣ "ናይ ኢየሱስ ብምዃኖም ኣገልገልቲ ፍቕሩ ብምዃኖም፣ ነቲ ንበሰላና ብምሕዋይ ካብ ሞት ዘድሕነና ከምኡ ውን ዘለኣለማዊ ህይወት ብምሃብ ሓጐስ ንዝሓበና ክርስቶስ ክረኽቡ ኣብዚ ብምርካብኩም” ክብሉ ኣመስገንዎም።
መእተዊ ካርዲናል ሆለሪኽ
እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ነጋድያን በቶም ምሉእ ሰሙን ዘሰንይውም ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ዣን ክሎይድ ሆለሪኽ እተዊ መደረ ቀረበሎም ።
እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ላክሰምበርግ ዝኾኑ ካርዲናል እቲ "ምሳኻትኩም ኢየ!" ዚብል ጭርሖ "ብረድኤት ክርስቶስ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኵሎም ሰባት" ክንከውን ከም ዚዕድም ገለጹ። ይኹን እምበር ነቶም እተሸገሩ ንምግልጋልን ንምሕጋዝን ኢድና ምስ ዘርጊሕና ጥራይ ኢና ብሓቂ ኣዕሩኽ እንኸውን - "ድኻታት ስደተይናታትን ጭቁናትን ግዳም ሓደርን ስራሕ ዘይብሎምን ክንቀርቦም ኣሎና።" ክብሉ ውን መዓድዎም።
ክብረ በዓል
ደድሕሪ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቅረብዎ ሊጡርጊያዊ ሰላምታ ተኸቲሎም ካርዲናል ሆለሪኽ ዝመርሕዎ መደብ ሥርዓተ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ፈጸሙ ኣባኡ ድማ ብቋንቋታ ጀርመንን ፈረንሳይን ሃንጋሪን ከምኡ ውን ፖርቱጋል ሽዱሽተ ናይ ጸሎት ልመናታት ቀረበ ተሳተፍቲ ኩሎም ብሕብረት ድማ ኣብ ዓለም ሰላም ክሰፍን ጸለዮም ። ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንነፍሲ ወከፍ ጳጳሳት ምስ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ዝመጹ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ነቶም መንእሰያት ነጋድያን ሰላም ንምባል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስድ ተዘዋወሩ።