ድለ

2024.07.15 Partecipanti di vari Capitoli Generali 2024.07.15 Partecipanti di vari Capitoli Generali  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ምእንቲ ጸዋዕታ ኪጽልዩ ተማሕጸንዎም

ኣብ ወርሒ ሓምለ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ወግዓዊ ርክባቶም ናብ መጻኢ ከም ዘመሓላልፍዎ ፍልይጥ ኢዩ፣ ኮይኑ ግና ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 15 ሓምለ ምስቶም ንጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበራቶም ኣብ ከተማ ሮማ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣባላት ዝተፈላላዩ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ተቐቢሎም ምእንቲ ጸዋዕታ ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰኑይ ንግሆ ምስ ኣባላት ሽድሽተ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ማለት  - ማሕበር ኣኃው ንኡሳን፣ ማሕበር ካህናት ኣገልገልቲ ንኡሳን፣ ማሕበር ደናግል ኣጐስጢኖሳውያን ኣኃት መለኮታዊ ፍቕሪ፣ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ቪያቶር፣ ማሕበር ደናግል ኣኃት መጸናናእቲ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ፣ ከምኡ ውን ማሕበር ኣኃት ልኡኻት ወንጌል ቅዱስ እንጦንዮስ ሜሪ ክላረት ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ርክቦም ቅዱስ ኣቦና ኽንደይ ዝኾኑ ተመከርቲ ከም ዘለውዎም ሓተትዎም ፣ ብዘይ "ውሉድ " ማለት ተኸተልቲ ማሕበራቶም ከም ዝመውት ድማ ኣጠንቀቕዎም ። ኣስዒቦም ድማ ቅዱስነቶም "ብዛዕባ እዚ ዝሓተኩም ዘሎኹ፣ ብዛዕባ መጻኢ ማሕበራትኩም ሕቶ ስለዝኾነ ኢዩ" በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኽልተ መዳያት መንፈሳዊ ህይወት እቶም ሰብኡትን ኣንስትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣጕልሑ እዚ ኸኣ ጽባቐን ገርሀይናነትን ኢዩ ።

ጸጋን ጽባቐን ገጽ ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ታሪኽ ነፍሲ ወከፍ ማሕበር "እቲ ኣብ ገጽ ኣምላኽ ዘሎ ግርማን ጽባቐን ዘብርህ እዩ እሞ ናይ ጽባቐ ዛንታ እዩ" በሉ።

ነቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ ተጋባእቲ ድማ ብዛዕባ እቶም "ነዚ ጽባቐ እዚ ከስተውዕሉን ከከም አገዳስነት ናይቲ ዘመኖም ብእተፈላለየ መገዲ ከመሓላልፍዎን ዝኸኣሉ" ናይ መስረቲ ማሕበራትኩም "ምስክርነት ተቐበልዎ" ክብሉ ዓደምዎም ።

"ከምቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ንጽባቐ ክርስቶስ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ክትደልይዎን ክተመሓላልፍዎን ኣባኻትኩም እዩ" ድማ በልዎም።

ገርሀይናነት፦ ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ጥራይ ምምራጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም መስረቲ እተፈላለየ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕየወት "ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ መረጹ ... ነቲ ትርፊ ዝኾነ ነገራት ድማ መነንዎ።" በዚ ኸምዚ ድማ "በቲ ኣብ ወንጌል ዚበርህ ገርሀይና ፍቕሪ ኣምላኽ መዓልታዊ ይህነጹ ነበሩ" በሉ።

ነዞም ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ድማ ንጠቕላሊ ጉባኤታት ማሕበሮም ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ ምእንቲ "ውህበት ገርሀይናነት" ክጽልዩ ዓደምዎም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝገብርዎ ሜመያ "ጽን ኢሎም ክሰምዑን ሓድነቶም ምዕቃብን" ዕንቅፋት ክዀኖም ካብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር 'ክጥንቀቑ' ድማ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃለ ማዕዳን ከምዚ ብምግባሮም ነዚ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘሎ ግድነታትን ኣድላይነታትን ክርድእዎን "ንመጻኢ እቲ ዝበለጸ ውሳነ ኽገብሩን" ከም ዘኽእሎም ገለጹ።

ዓብዪ ተልእኾ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ነቲ ንድኽነትን ተኣዛዝነትን ዝኣተዉዎ መንፈሳዊ መብጽዓታት ውን ኣጕልሑ እዚ ድማ ነቲ ኣቦ ዝኾነ ኣምላኽ ዝሃቦም "ዓብዪ ተልእኾ" ንኽስከሙ ኣኽኣሎም።

ጸሎት ኣድላዪ ምዃኑ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ኣብ ማሕደሩ ምጽላይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም፣ እታ "ኻብ ልቢ" እትምንጩ 'ብመገዲ ጐይታ ንቕድሚት እትግስግስን' ጸሎት ተስልጥ ኢያ ድማ በልዎም።

ሞያ ንምርካብ ምጽላዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ዘቕረቡሎም ቃለ ማዕዳን ብምስጋናን ሞሳን ከምኡ ውን ብናይ ምትብባዕ ቃላት ዛዘምዎ ። ኣስዕብ ኣቢሎም ኸኣ "ነቲ ውህበታትኩም ተልእኮኹምን ንቕድሚት ዘቐጽሉ ተካእቲ ኺህልዉኹም ኣድላዪ እዩ።” ወሲኾም ድማ ቅዱስነቶም “ጸልዩ ጸልዩ፣ ኣብ ሥነ መዕበያ ድማ ኣገኵሮኹም ግዝበሩ፣ ግቡእ ሥነ መዕበያ ትምህቡ ምህላውኩም ውን ኣስተውዕሉ።” ብምባል ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

17 July 2024, 13:25