ድለ

2024.07.07 Visita Pastorale a Trieste - Santa Messa 2024.07.07 Visita Pastorale a Trieste - Santa Messa  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ምእንቲ ሰላም ንኽጽልዩን ንኽሰርሑን ምእመናን ሓድሽ ቈራጽነት ክገብሩ ይጽውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ትሪየስተ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብ መዛዘሚ መደብ፣ ብፍላይ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ሱዳን ሚናማርን ንዅሎም እቶም ብሰንኪ ውግእ ኣብ መላእ ዓለም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባትን ብምዝካር ጸሎትን ጻዕርታትን ዓለምለኻዊ ሰላም ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትሪየስተ ዝዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኵሎም ሰባት ነቲ ንኽጽልዩን ዓለምለኻዊ ሰላም ንኽረኽቡን ዝገበርዎ ቘራጽነት ከሐድሱ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ እዋን ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፦

"ካብዛ ኸተማ እዚኣ ምእንቲ ሰላም ንምጽላይን ንምዕያይን ዝገበርናዮ ቘራጽነት ነሐድሶ - ንዩክረይን ንፍልስጤምን ንእስራኤልን ንሱዳን ንሚያንማርን ከምኡውን ምእንቲ ንነፍሲ ወከፍ ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐ ዘሎ ሰብ ንምሕጋዝ ቆራጽነት ንግበር። ናብታ ኣብ ሞንቴ ግሪሳ ከም ኣደን ንግስትን እትኸብር ድንግል ማርያም ኣማላድነታ ንማሕጸን።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣአንገድትን ንዅሎም እቶም ዕለተ ሰንበት ንምኽባር እተኣከቡ ምእመናን ስለቲ ጽቡቕ ኣቀባብላኦምን ባህ ዘብል ፍጻመታቶምን መንፈሳውነት ዝመልኦ ምትእኽኻቦምን ኣመስገንዎም።

ነቶም ኣቐዲሞም ዝረኸብዎም ሕሙማትን እሱራትን ስደተኛታትን ብምዝካር ነቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ቓልስን ዝነብርዎ ዘለዉ ተስፋን ብምዝካር ጸሎቶም ኣረጋገጹሎም ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እቶም ጳጳስ ናይ ሰበኻ ትሪየስተ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓገዝዎም ሕሙማት ኣስማቶም ብምዝካር ከምኡ ውን ነቶም እነገልግሎም ሰባት ብኸመይ ከም ዝዝክሮምን ከም ዝፈልጥዎምን ብምግላጾም ዘለዎም ኣኽብሮት ገለጹሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህዝቢ ትሪየስተ ስለቲ ነቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ካብ ውግእን ድኽነትን ንዝሃድሙ ብዙሓት ሰባት ዝገበርዎ ተቕባል ውን ኣመስገንዎም።

እታ ኸተማ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ማእከላይ ኣውሮጳን ባልካንን ቀንዲ ወደብን መስቀላዊት መገድን ስለ ዝዀነት እተፈላለዩ ሰባት ኣብ ምርኻብ ፍሉይ ጸዋዕታ ኸም ዘለዋ ገለጹ።

እዚ ጸዋዕታ እዚ ንመንነት ሰባት ግሉጽነትን ርግኣትን ተቐባልን ከምኡውን ኣኽብሮትን ዘድልዮ ብድሆታት ከም ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ ።

እንተዀነ ግን ነቲ ንኣመንቲ ትርጕምን ተስፋን ዝህብ ወንጌል ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡውን ነቲ ንዲሞክራስያዊ መገዲ ዝኸውን "ዜተኣማምን 'ብሶላ' ዝህብ ቅዋም እታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው ኵሉ ሰብ በዚ መገዲ እዚ ኽጸንዕ ኣተባብዕዎም።

"እምበኣር ከስ ጕዕዞኹም ቀጽሉ! ብዘይ ፍርሂ ኣብ ሰብኣውን ክርስቲያናውን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ግልጽን ጽኑዕን ከምኡ ውን ኣብ ሰብኣዊ ኽብረት ብዘይ ምልምላም ተቐበልቲ ኩኑ" ክብሉ ብምምሕጻን መደረኦም ዛዘሙ።

08 July 2024, 15:29