ድለ

Cardinale Charles Maung Bo, Arcivescovo di Yangon Cardinale Charles Maung Bo, Arcivescovo di Yangon 

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ እስያን ኦሽያንያን ኪበጽሑ ምዃኖም ካርዲናል ቦ ገለጹ

ኣቦ መንበር ቤትምኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት እስያ ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ብዛዕባ ኣገዳስነትን ብድሆታትን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር-ለስተ ከምኡውን ሲንጋፖር ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣመልኪቶም ቃለ መሕትት ኣካዪዶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 2 ኽሳዕ 13 መስከረም ናብ ወጻኢ ሃገራ ብምኻድ ነተን ኣብ እስያን ኦሽያንያን ዚርከባ ኣርባዕተ ሃገራት ማለት ንኢንዶነዥያ ንፓፕዋ ኒው ጊኒ ንቲሞር-ለስተ ከምኡውን ንሲንጋፖር ሓውርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም ። እዚ ኸኣ ድሕሪ እቲ ብ2014 ናብ ኮርያ፣ ብ2015 ናብ ስሪ ላንካን ፊሊፒንስን፣ ብ2017 ከኣ ናብ ምያንማርን ባንግላደሽን ናብታ ኽፍሊ ዓለም ዝገብርዎ ራብዓይ ምብጻሕ ክኸውን ኢዩ ።

ንእምነት እተሓደሰ ቅንኣት

ሊቀ-ጳጳሳት ሰበኻ ያንጎን ምያንማርን ከምኡውን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጵሳት እስያን (FABC) ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ሞንግ ቦ፣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓወርያዊ ዑደት ምስ ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ትጽቢታቶምን ዘለዎም ንቕሓትን ኣካፈሉ ኣካፈሉ።

ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ እቶም "ካብ ኣእምሮን ልብን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘይረሓቑ" ህዝቢ እስያ "ሓጐስ ጥራይ ዘይኰነስ ንእምነት ሓድሽ ቅንኣት" ከም ዝፈጥር ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኸም ፓፕዋ ኒው ጊኒ ከምኡውን ቲሞር ለስተ ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ሃገራት ክበጽሑ ከም ዝመረጹ ውን ኣመልከቱ፣ እዚ ኸኣ ዓለም ነተን ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘላ ቤተክርስትያን ንኽትፈልጠን ኣጋጣሚ ክኸፍተለን ኢዩ ።

ህያውን ብዝሓውነት ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን

ብፁዕ ካርዲናል ቦ ነቲ ኣብ እስያ ዘሎ ብዛሓውነት ባህልታትን ሃይማኖታትን ልምድታትን ከም ብሉጽነት ባህልታት እታ ክፍለ ዓለም ገይሮም ገለጽዎ ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት እስያ ብዘይካ ፊሊፒንስን ቲሞር ለስተን ክርስትያን ምእመናን ሒደት እኳ እንተዀኑ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎን ህያውን እምነት ከም ዘለዎም ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ባዕሎም ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዘሎ እተፈላለየ ዓይነት ኣብያተ-ክርስትያን ከምኡውን ብዛዕባ ሕዝባዊ ንጡፍ እምነትን ማለት ብዛዕባ ሃብታማት ኰኑ ድኻታት ብዝሖም ውይኹን ውሑድነቶም ብዓይኖም ኺርእይዎ ምዃኖም ገለጹ።

"ኣብ እስያ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ንኣሽቱ እኳ እንተዀና ህይወት ዘለወን ኣብያተ ክርስቲአይን ኢያተን ። መብዛሕትአን ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ እዋን ቅዳሴ ሰንበት ሰንበት ምሉኣት ምዃነን እኹል ምስክርነት እዩ። መብዛሕትኦም ናብ ካልኦት ሃገራት ዚስደዱ እስያውያን ብእምነቶም ንቑሓት ከም ምዃኖም ኸተስተብህል ውን ዝከኣል ኢኻ ። ኣብዚ ዘመን እዚ ናብተን ጥንታዊት ኣብያተ-ክርስትያን ሚስዮናውያንና ኮይና ኣሎና ።

ምስኻኽር ሰላምን ስኒትን

ብፁዕ ካርዲናል ቦ ኣብ እስያ ከም ፖለቲካዊ ጭቈናን ድኽነትን ዕንወት ክሊማን መስጐጕትን ዝኣመሰለ ሓያሎ ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠመን እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘተ ሰላምን ስኒትን ክትረክብ ከም እትደሊ ኣጕልሑ። ኣብ እስያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይና ብኸመይ ብሓባር ከም እትነብር ከም እተማህረት ውን ገለጹ።

"እስያ ንኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ክትህባ እትኽእል መገዲ ሰላምን ስኒትን ምዃኑ እኣምን ኢየ" ድማ በሉ።

ተስፋ ንምሕዳስ

ብፁዕ ካርዲናል ቦ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገብርዎ ምብጻሕ ንህይወትን እምነትን እተን ኣብ እስያ ዝርከባ ኣብያተ - ክርስትያን ከም ዘሐድሶን፣ ነታ እናዓበየት እትመጽእ ዘላ ቤተ - ክርስትያን ሕይወት ዘለዎ መስክር  ከም እትኸውን ዘለዎም ተስፋ ገለጸ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎን ንህይወት ብዙሓት ኣብ እስያ ዝነብሩ ሰባት ዝትንክፍን ጕዳይ ክንክን ክሊማ መፍትሔ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዘለዎም ትጽቢት ውን ገለጹ ።

"ድሕሪ ሕጂ ተዓዘብቲ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና፣ የግዳስ ንረብሓ ዅሎም ሰባት ኣብ ምድንፋዕ ክንክን ክሊማ ብንጥፈት ክንሳተፍ ኣሎና። ኣብ እስያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን እውን ነዚ ለውጢ እዚ ኣብ ዞባን ኣብ ዓለምን ንምምጻእ ቀንዲ ቀላሲት ኽትከውን ኣለዋ" በሉ።

16 August 2024, 16:51