ቤተ-ክርስትያን መበል60 ዓመት ኣዋጅ ስነድ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ 6ይ 'እንቲኣሁ ቤተክርስትያን' ትዝክር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቤተክርስትያን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብ6 ነሓሰ 1964 ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ምስ ክርስቶስ ዘለዋ ርክብን ምስ ዘመናዊ ዓለም እተካይዶ ዘተን ዘንጸባርቕ "እንቲኣሁ ቤተክርስትያን" ዘርእስቱ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘሕተሙሉ ዕለት ትዝክር ኣላ። እዛ ሓዋርያዊት ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝተኻየደ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህተ ክርስቶስ ኢያ ተኣዊጃ፣ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ወሳኒ ህሞት እዩ ዝነበረ። ምሉእ ብምሉእ ብኢድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተጻሕፈት ኮይና ኣብታ ጸኒሖም ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ዕለተ ሞቶም ዝዝከረላ ዕለት ኢዮም ድማ ክታሞም ዘምበሩላ።
ቀንዲ ኣርእስትታት “እንቲኣሁ ቤተክርስትያን”
1. ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ዘለዋ ርድኢት
እዛ ዓዋዲት መልእክቲ እዚኣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ድሕነት ደቅሰብ ዘለዋ ግደ እተጉልሕ ሰንድ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ምህላው ዓሚቝ ምርዳእን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥን ዝሓትት ኢዩ፣ እዚ ድማ ዝያዳ ፍጽምና ንምርካብ ናይ ኣባላታ ጕድልነታት ንምምርማርን ምእራምን ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ንጳጳስት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ነዚ ተኣፋፊ ዕዮ እዚ ምኽርን ደገፍን ንምርካብ ብትብዓት ክዓዩ ኣድላዪ ለውጥታት ክገብሩ በዛ መልእኽቲ እዚኣ አተባብዕዎም።
2. ምስ ዘመናዊ ዓለም ዘሎ ርክባት ፦
እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ኣብዚ ግዜና ዘላ ዓለምን ህጹጽ ዘተ ከም ዘድሊ ተመልክት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቤተ-ክርስትያን ምስ ደቅሰብ ዘለዋ ዓሚቝ ምትእስሳር ብምግላጽ፣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝግበር ለውጢ ኣፍልጦ ክህቡሉ ይርከቡ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ክመጽእ ዝኽእል ዓለማዊነትን ምድንጋርን ድማ ኣጠንቀቑ። እዛ ሰነድ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ምስ ክርስቶስ ዘለዋ መሰረታዊ ርክብ ንምዕቃብ ከምኡውን ንምጽራይን ንምኽባሩን ምስ ዘመናዊ ባህሊ ክህላዋ ዘለዎ ምትሕብባር እትገልጽ ሰንበድ ውን ኢያ።
3. ግብረ መልሲ ተሓድሶ -
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ መሰረታውያን ዓናቕጽ-እምነትን መዋቕራትን ከይተቐየሩ ክቕጽሉ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክህሉ ዘለዎ ተሓድሶ ዝገልጽ መለክዒታት ውን ይገልጹ። ንቤተ-ክርስትያን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከይነውርዳ ወይ ምስ ዓለማዊ ስርዓታት ከይነሰማምዓ ውን ኣጠንቀቑ። ብመሰረት እዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሓቂ ተሓድሶ ክበሃል ከሎ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንክርስቶስ ዘለዋ ናይ ተኣዝዞ መንፈስ ምዕማቝን ሕግታት ቤተ-ክርስትያን ምሕላውን ደኣ እምበር ደጋዊ መልክዕ ምቕያር ዘጠቓልል ኣይኰነን ይብሉ።
4. ናይ ምምስሳል ስግኣት -
እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምምስሳልን ተዛሚድካ ምንባርን ዝብል ነቲ ፍጹም ስርዓታት ክርስትና ኸም ዜዳኽሞ የጠንቅቑ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንክርስትያናዊ ትምህርትታት እሙናት ክነስና ንእምነትካ ዘዳኽም ተመሳሲካ ምንባርን ዝብል ኣምር ኣድላዪ ከም ዘይምዃኑ ውን ይገልጹ። መንእሰያት ካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣብ መንጎ እቲ ማሕበረሰብ ዘሕድረሎም ጽልዋታት ነቲ ሓዋርያዊ ተንእኾኦም ንምፍጻም ዘጋጥሞም ብድሆታት ውን ኣፍልጦ ይህቡሉ።
5. 'ተሓድሶን' ስብከተ ወንጌልን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዛዕባ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ዘቕረብዎ ህቡብ ዝዀነ ' aggiornamento ' (ተሓድሶ) ዚብል ኣምር ውን ይትንትኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓቀይና ምሕዳስ ኪበሃል ከሎ፣ ነቲ ንክርስቶስ ዘሎና ተኣዝዞ ኣብ ውሽጣዊ መንነትና ምእታው ከም ዜጠቓልል ኣጕልሑ ። ነቲ ኣብ ምሕዳስ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ረቛሒታት ዝዀነ መንፈስ ድኽነትን ግብረ-ሰናይን ሕራይ ኢልካ ምቕባል ዝሓትት ምዃኑ የመላኽቱ። እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንመልእኽቲ ክርስቶስ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምምሕልላፍ ምስ ዓለም ክትዘራረብ ከም ዘለዋ ብምጕላሕ ዘለዋ ወንጌላዊ ግዴታ እተጉልሕ ኢያ።
ምስ ዓለም ዚግበር ዘተ
1. ባህርይ ናይቲ ዘተ ፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ነዚ ዘተ ከም ወንጌላዊ ተልእኾ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ፣ እዚ ድማ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ተልእኾ ቤተ - ክርስትያን ኢዩ ። ካብ ፍርዲ ምሃብን ወይ ባዶ ዝኾነ ምትኹታዃትን ብምርሓቕ ብኣኽብሮትን ምርድዳእን ከምኡውን ብፍቕሪ ዝግበር ዘተ ክኸውን ከም ዘለዎ ይገልጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ዓይነት ዘተ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ከምኡውን ክብርን ናጽነትን ኵሎም እቶም ኣብኡ እተሳተፉ ሰባት ምርግጋጽ ስምዒታትን እምነታትን ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ዝዓለመ ከም ምዃኑ ውን የመልክቱ።
2. ምስ ዘመናዊ ባህሊ ምዕያይ ፦
እዛ ዓዋዲት መልእኽቶም ክርስትና ኣብ ሥርዓታቱ ከይተለማለመ ምስ ዘመናዊ ባህሊ ኺጽመድ ከም ዘለዎ ተረጋግጽ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተጸምዶ ዘለዎ ሕልኽላኻትን ብድሆታትን ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃበሉ፣ ንዘመናዉያን ባህልታት ምንጻሕን ምቅዳስን ኣድላዪ ምዃኑ ግን ኣትሪሮም ይዛረቡሉ ኢዮም። ምስ ዓለማዊ ስርዓታት ተመሳሲልካ ምንባር ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋታት ውን የጠንቅቑ ንክርስትያናዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከም ብሓድሽ ቃል ምእታው ኣድላዪ ምዃኑ ድማ የጕልሑ።
3. ዴሳውነትን እግዚኣብሔር ኣልቦነትን ፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ እግዚአብሔር ኣልቦነት ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ዝነበሩ ኣዝዮም ኸቢድ ጕዳያት ሓደ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝጠቕስዎ። ኣልቦ እግዚኣብሔር ዝብል ኣተሓሳስባን ከምኡ ውን ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ዴሳውነት ዝግበር ስደት ክርስትና ይዅንኑ። ይኹን እምበር ለውጢ ኼጋጥም ከም ዚኽእል ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ መጻኢ ምስ ምንቅስቓሳት እግዚኣብሔር ኣልቦነት ኣወንታዊ ዘተ ክካየዱ ዘለዎም ተስፋ ውን ይገልጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንሰላም ዘለዋ ቘራጽነት ኣብዛ ሰነዶም ብሰፊሑ ይገልጹ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ድማ ንውግእን ዓመጽን ብምዅናን ኣብ መንጎ ሃገራት ናጻን ክቡርን ሰላም ንምስፍሕፋሕ ድማ ይጣበቑ።
ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣብያተ ክርስትያንን ዝግበር ዘተ
1. ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክርስቲያን ምእመናን ምስ ሰዓብቲ ካልእ እምነታት ከም ዚከባበሩን ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ሓርነትን ሰብኣዊ ሕውነትን ዝኣመሰለ ሓባራዊ ሓሳባት ዝመያየጡን ክኾኑ ጻውዒት የቕርቡ። ነቲ ኣብ ክርስትና ዝሎ ውህደት እኳ እንተ ኣረጋገጹ፣ ከምኡ ውን ንስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ናይተን ካልኦት ዘይ-ክርስትያን ሃይማኖታት ውን ኣፍልጦ ይህበሉን ብኣኽብሮት ይርእይዎን።
2. ኤቁመናዊ ዘተ፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ፍጹም ናይ እምነትን ናይ ግብረ - ሰናይን ሕብረት ንምጥራይ ምስ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን ክርስቲያናዊ ማሕበራትን ዘተ ከካይዱ ሓያል ባህጊ ኸም ዘለዎም ይገልጹ ። ነቲ እቶም እተፈላለዩ ክርስትያን ኣሕዋት ዘለዎም ሕጋዊ ባህግታት ንምዕጋብ እናጸዓርካ ንጽህናን እምነትን ናይ ግብረ - ሰናይ ብቕዓትን ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ "እንቲኣሁ ቤተክርስትያን " ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፣ ቤተ-ክርስትያን ምስ ዘመናዊ ዓለም ዘለዋ ርክብ ኣብ ዘተን ሜመያን ዘለዎም ራእይ ይገልጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውሽጣዊ ተሓድሶ ምስ ክርስቶስ ዓሚቝ ምትእስሳር ከምኡ ውን ምስ ኵሎም ደቅሰብ ብኣኽብሮት ዝግበር ዘተን ከም ዘድልዮ ብምጕላሕ፣ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕልኽላኻት ኣንፈ ንኸተትሕዝ ነቲ መሰረታዊ ስርዓታታ ጠቢቓ ንኽትሕሉን መገዲ ከውጽኡላ ተረኽቡ።