ር. ሊ. ጳ. ፦ ኵሎም ክርስትያን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ኽብሪ ዳግም ኺረጋገጹ ኣለዎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ናብ መበል 16 ኣህጉራዊ ክርስትያናዊ ዓውደ-ጉባኤ ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ዝምዕብል ዘሎ ስነ-ሰብ፣ ማለት ብዛዕባ መንነት ወድሰብ ዳግመ-ግምት ብምግባር፣ ወድሰብ ኣብ ዓለምን ማሕበረሰብን ዘለዎ ግደ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መልዕለተ ባህርያዊ ዝኾነ ጸዋዕታ ናይ ነፍስ ወከፍ ወድሰብ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣብ ርእሲ እቲ ብዛዕባ ባህርይ ወድሰብ ዚለዓል መሰረታዊ ሕቶታት "ሎሚ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ውሉድ ምውላድን ሞትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ተመኩሮ ህላወኦም ዚርድኡሉ መገዲ መዋቕራዊ ለውጢ ይገብር ኣሎ" በሉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ብሰንኪ ተክኖሎጅያዊ ሰውራ ሓበሬታ እንተላይ ብሰንኪ ምዕባለ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ከምኡ ውን "ኣብ ስነ ፍልጠት ብዚርአ ዘሎ ዜደንቕ ምዕባለታትን" እዩ ዚለዓዓል ዘሎ።
'ሰብኣዊ ሰውራ'
ሓቅነት ናይዚ "ሰብኣዊ ሰውራ" እዚ "ነቲ ሓሳባትን ምርጫታትን ከሐድሶ ዝኽእል ዓሚቝ ኣስተንትኖ" ከም ዝሓትት ገለጹ።
"ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን ኣባላት ኣየናይ ቤተ-ክርስትያን ኢዮም ብዘየገድስ ይትንክፎም ኢዩ" ብምባል እዚ ጉዳይ እዚ በዳሂ ምዃኑ ገለጹ። ነቶም ኣዳለውቲ ናይቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ - ጉባኤ እንቋዕ ሓጐሰኩም ብምባል ኣብቲ "ኣብዚ ሥነ-ሰብኣዊ እና ተቐየረሉ ዝኸይድ ዘሎ ዘመን ሰብ እንታይ ኢዩ ?” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን "ነዚ ኣስተንትኖ እዚ ብሓባር ከም ከግፍሕዎ" ምርኣይ መሳጢ ምዃኑ ኣመልከቱ።
ሰብኣዊ ክብሪ ምርግጋጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ሰብ ምዃን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕቶታት ኣብ ግምት ብምእታው ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን — ኣባል ኣይነይቲ ቤተ-ክርስትያን ኢዪ ብዘየገድስ — ማሕበራውን ቍጠባውን ኣቕዋሞም ወይ "ክነታት ህልውናኦም" ከምኡውን ምስዚ ክብሪ ወድሰብ ተሰማሚዖም ይመላለሱ ኣይመላለሱ ብዘየገድስ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ውሽጣዊ ክብሪ ክረጋገስ ከም ዘለዎ ኣስፊሖም ገለጹ ።
"ነዚ ክብሪ ወድሰብ እዚ ካብ ከም ድኽነት ውግእ ምዝመዛ ከምኡውን ካልእ ነዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዘስግእ ነገራት ምጥባቕ ኵለን ኣብያተ-ክርስትያን ብሓባር ንኽዓያሉ ዘለወን ሓባራዊ መብጽዓ ኢዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዕዮ እቲ ዓውደ-ጉባኤ ብጸሎቶም ከም ዘሰንይዎ ብምርግጋጽ መልእኽቶም ዛዘሙ፣ ብፍላይ ከኣ ኣማላድነት ናይቲ ኣብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ቅዱስ ኒኮላስ ጠበቓ ናይ ትራኒ ኣብቲ ካብ ዕለት 28-30 ነሓሰ ኣብ ከተማ ትራኒ ኢጣልያ ዘካይድዎ ዘለዉ ዓውደ-ጉባኤ ከም ዘሰንዮም ኣረጋገጹሎም።