ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ምሉእ ህይወት ንምርካብ ኣብ ጐይታ ንዑን ድለዩን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸልት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ንክዕ ከምቶም ቀዳሞት ደቀመዛሙርቲ ንጐይታ ኣብ ምድላይን ከምኡ ውን ዘለኣለማዊ ሓጐስን ምሉእ ህይወት ንምርካብ ወትሩ ምስኡ ክንጸንዕ ከም ዘሎና ኣስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ነቕርበልኩም፣ 

 

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!

ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል (ዮሓ 6፡ 60-69) ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ "ጐይታይ ናበይ እሞ ኽንከይድ ኢና? ንስኻ ናይ ዘለዓለም ቃል ህይወት ኣሎካ" ዝበሎ ቃል የቕርበልና (ዮሓ 6፡ 68)። እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ጽኑዕ  ዝኾነ ዕርክነቶም ዝምስክርን ከምኡውን ነቲ ነቲ ንዓኡን ነቶም ካልኦት ደቀመዛሙርን ምስ ክርስቶስን ዘዛምዶም  ምትእምማን ዘንጸባርቕ ሠናይ ዝኾነ መግለጺ ኢዩ። "ጐይታይ ናብ መን ኢና ኽንከይድ እሞ? ንስኻ ናይ ዘልዓለም ቃላት ህይወት ኣሎካ" በሎ። ዘደንቕ ኢዩ!

ጴጥሮስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ሓደ ወሳኒ ዝኾነ ግዜ እዩ ዝተዛረበን ። ኣብቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ "ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ" (cf. Jn 6 41) ከም ምዃኑ ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ኢዩ ዝነበረ። ነዚ ሓቂ እዚ ሰባት ኪርድእዎ ኣጸጋሚ እዩ ፣ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ እውን ከይተረፉ ስለ ዘይተረድእዎ ገዲፎምዎ ከይዶም ኢዮም ።

እቶም ዓሰርተው ክልተ ግን ምሳኡ ተረፉ ። ኣብኡ ኣብ ኢየሱስ "ናይ ዘልዓለም ቃል ህይወት" ስለ ዝረኸቡ ኣብኡ ጸንሑ። ንሱ ኺሰብኽ ከሎ ይሰምዕዎ ነበሩ፣ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ውን ይርእዩ ነበሩ፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ዚህልዉሉ እዋናትን፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶምን ብዛዕባ ዘለዎም ጥቡቅ ርክብ ድማ ካብ ምክፋል ኣየቋረጹን ።

እዞም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ጐይታ ዝበሎን ዚገብሮን ኵሉ ሳዕ ይርድእዎ ኣይንነብሩን ። ሓድሓደ ግዜ ነቲ ግርምቢጥ ዝዀነ ፍቕሩን (ማቴ 5፡ 38-48 ርአ) ነቲ ደረት ዘይብሉ ምሕረቱን (ማቴ 18፡ 21-22 ርአ) ንምቕባል የጸግሞም ነበረ። ኪርድእዎ ቐሊል እኳ እንተ ዘይነበረ ግን ኣባኡ እምነት ነበሮም ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ዝነበረ ምርጫታት ኻብቲ ልሙድ ዝኾነ ሃይማኖታትን ባህልታ ሓሊፉ ዜቘጥዕን ዜሕፍርን ኵነታት ክሳዕ ዚፈጥር ካብቲ ተራ ህዝባዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ንላዕሊ እዩ ዚገብር ዝነበረ (ማቴ 15፡ 12)። በዚ ኸምዚ ንዕኡ ምስዓብ ቀሊል ኣይኮነን ።

እንተዀነ ግን ቅዱስ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሓዋርያትን ካብቶም ብዙሓት ናይቲ ግዜ እቲ መምህራን ዝንበሩ፣ ነቲ ነበሮም ናይ ህይወት ጽምኣት መልስን፣ ሓጐስን ፍቕርን ኣባኡ ጥራይ እዮም ዝረኸቡ። ሳላኡ ጥራይ እዮም ካኣ ካብቲ ደረት ሓጢኣትን ሞትን ሕልፍ ዝበለ ምልኣተ ሕይወት ከስተምቕሩ ዝኸኣሉ። ስለዚ ገዲፎም ክኸዱ ኣይከኣሉን ። እወ ኣብ መንጎ ብዙሕ ውድቀትን ግዜ ንስሓን እዃ እንተ ኾነ ብዘይካ ሓደ ኣብኣታቶም፣ ዅላቶም ክሳዕ መወዳእታ ምስኡ ቀጺሎም ኢዮም (ዮሓ 17፡ 12)።

ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ እዚ ንዓና እውን ዘገድሰና ጉዳይ ኢዩ ። ንዓና እውን እንተ ዀነ ንጐይታ ክንስዕቦን ኣካይዳኡ ክንትዳእን መለክዒታቱን ኣብነቱን ናትና ክንገብሮ ቀሊል ኣይኰነን ። እዚ ንዓና ውን ቐሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር ናብኡ ብዝያዳ ብዝቐረብናሉ መጠን፣  ምስ ወንጌሉ ዝያዳ ብዝተዛመድናሉ መጠን፣ ኣብ ምስጢራት ጸጋኡ ብዝረኸብናሉ መጠን፣ ምስኡ ብጸሎት ብዝጸናሕናሉ፣ ብትሕትናን ብሰናይ ግብርን እናመሰልናዮ ብዝኸድና መጠን፣ ንዕኡ ከም ዓርክና ገይርና ብምርኣይና ከምኡ ውን ንሱ በይኑ ጥራይ ናይ ዘልዓለም ቃል ህይወት ከም ዘለዎ እናተረዳእና ብዝኸድሉ መጠን ዝያዳ ኢና ንጐይታ እንምከሮ ።

ድሕሪኡ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና ፦ ኢየሱስ ኣብ ህይወተይ ክንደይ እዩ ህያው ኮይኑ ዘሎ? ክሳብ ክንደይ ብቓላቱ ይትንከፍን ይልዓዓልን ኣሎኹ ? ንዓይ "ናይ ዘልዓለም ቃል ህይወት" እዩ ኽብል እኽእልዶ? ንዓኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከምዚ ክብል እሓተኩም - ቃላት ኢየሱስ ንዓኻ እውን ቃል ዘለዓለማዊ ህይወት ድዩ ?

እታ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ ኢየሱስ ብስጋ እተቐበለቶ ማርያም ንዕኡ ኽንሰምዖን ፈጺምና ከይንሓድጐን ትሕግዘና ።

26 August 2024, 18:03