ር. ሊ. ጳ.፦ ነቲ ኣብ ኢየሱስ ዚርከብ ሰማያዊ እንጌራ ሃንጐፋይ ኢልኩም ተቐበልዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶ እቲ "ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያው እንጌራ " ኸም ዝዀነ ማለት ንጥሜት ልብና ዜዕግብ ሰማያዊ እንጌራ ኸም ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ናይ እለቱ ወንጌል ብምስትንታን ነዚ እንጌራ እዚ ብኣድናቖትን ምስጋናን ክንቅበሎ ብምምዓድ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ለጊሶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅድሱ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ብዛዕባ እቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብምስትንታን ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓምሽተ እንጌራ ክልተ ዓሳን ነቲ ሕዝቢ  ድሕሪ ምጽጋቡ "ኣነ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ህያው እንጌራ እየ" ንዝበሎም ቃል ዚገልጽ ናይ ሰንበት ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፊሎም ። እዚ ናይ እለቱ ንባብ ወንጌል ገሊኣቶም ካብቶም ዝሰምዕዎ ዝነብሩ ኢየሱስ ከምዚ ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑን፣ ብኸመይ ስጋኡ ክበልዑ ከም ዝህቦም ክከራኸሩ ከም ዝጀመሩ የዘንቱ ።

ንተኣምራት ክፉታት ምዃን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ ኣብ ወንጌል ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ተዘንትዩ ዘሎ፣ ከምቶም እተኸራኸሩ ሰባት ብዓይኒ ጥርጣረ ዘይኰነስ ንኹሉ ክፉት ምዃን ብኸመይ ከም ዘድሊ ገለጹ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ከም "እንጌራ ሰማይ" ገይሩ ኺዛረባ ኸሎ "ካብ ኵሉ ትጽቢታትና ዚበልጽ" ውህበት ምዃኑ ውን ኣመልከቱ፣ ከመይሲ ስጋኡን ደሙን ነቲ "ነቲ ንኣና ክምግብ ቢሉ ምእንታና ዘወፈዩ ህይወቱ ማለት ሰብኣውነት መድሓኒና" ኢዩ ዘምልክት በሉ።

ናብ ምስጋና ዝመርሓና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መድሓኒና ኢየሱስ ንድሕነትናን ንዘለኣለማዊ መንፈሳዊ መግብናን ኢሉ ንብምሉኡ ህይወቱ ማለት ስጋኡ ደሙ ብኸመይ ከም ዘወፈየልና ብምግንዛብ "ንኢየሱስ ኣበይ ንገዛእ ርእሱ ከም ዝህበናን ምሳና ከም ዝነብርን ንፈልጦ ኢና" ብምባል መማሰውቲ ጥራይ ኢና ኽንከውን እንኽእል በሉ።

"ክርስቶስ እቲ ኣማናዊ ሰብ " ብህይወት ንኽንነብር ክንበልዕ ከም ዘሎና ይፈልጥ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ንኸብድና ዝኸውን መግቢ እኹል ኣይኰነን፣ ከመይሲ ኢየሱስ እቲ "ዝዓበየ ውህበት ብምድላው - ንሱ ገዛእ ርእሱ ሓቀይና ምግብን  ሓቀይና መስተን ኮይኑላና" ብምባል ገለጹ ምእንቲ’ዚ ድማ "ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተምስገን" ጥራይ ኢና ክንብል ንኽእል።

እቲ ኻብ ኣቦ ዝመጸ "ሰማያዊ እንጌራ " እቲ ሥጋ ዝኾነ ኢየሱስ ኢዩ፣ ከምኡ ውን ነቲ "ኣብ ልብና ዘሎ ጥሜት" ማለት ነቲ ጐይታ ጥራይ ከጽግቦ ዝኽእል ጽምኢ ተስፋን ሓቅን ድሕነትን ድማ ዘዕግብ ንሱ ጥራይ ኢዩ ።

ዘለኣለማዊ መግቢ

ሳላ እዚ ውህበት እዚ እምበር "ምስ ኣምላኽን ኣብ ነንሓድሕድና ህብረት ክህልወን ንኽእል ኢና" ብምባል ድማ ኣብ መደምደታ ኣስተንትኖኦም በጽሑ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኢየሱስ "ንህይወትና ብጸጋታቱ ብምምግባ" ኣድሒኑና ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ "ህያውን ኣማናዊን እንጌራ" እዚ ንዅሉ እቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ጸገማት ዝፈትሕ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብዛ ንድኻታት ናይ ዕለት እንጌራኦም እትኽልክሎም ዓለምና ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ምድሓን ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ምድሓን ካልኦት እውን ንጥመን ንጽምእን እንተ ደአ ዄንና ንገዛዕ ርእስና ኽንሓትት አሎና በሉ ። ቅዱስ ቍርባን እንክንቅበል’ከ "ነዚ ተኣምር ምሕረት እናገበረ ዝሞተን ዝተንስአን ስጋ ጐይታ" ኣኽቢርና ዲና እንርእዮ? እንክብሉ ብምሕታት ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

"በዚ ተኣምራታዊ እንጌራ እዚ ውህበት ሰማይ ክንቅበል ምእንቲ ኽትሕግዘና ናብ ድንግል ማርያም ሓቢርና ንጸሊ።"

19 August 2024, 17:44