TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ነቲ ኣብ ቃዛ ተኸሲቱ ዘሎ ሰባኣዊ ቅልውላው ብምቅዋም እቲ ውግእ ደው ንኸብልዎ ጸውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ነቶም ብሰንኪ ግጭትን ውግእን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ዘርሕልፍዎ ዘለዉ ጭንቀትን ጓህን ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስቲ ሰላም ኣወፈይዎ ። ነቲ ኣብ ቃዛ ዘጋጠመ ኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ብምዝካር ድማ ንዅሎም ህዝብታት ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይን ሱዳን ምያንማር ድማ ዘከሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕቲ እቲ ኣብ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ብሰንኪ ግጭታትን ውግኣትን ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ስቓይን መከራን ኣስተንተኑን ሓሳባቶም ገለጹን ። ንህዝብታት ዩክረይን ማእከላይ ምብራቕን ፍልስጥኤም እስራኤል ሱዳን ምያንማር ውን ዘከሩ ። "እታ ሎሚ ኣብ ኽብሪ መንግሥተ ሰማይ ከም ዘላ እነስተንትና ዘሎና ንግስቲ ሰላም ማርያም ንዅሎም ምጽንናዕን ንዚመጽእ ህድኣትን ስኒትን ተማልደልና " ክብሉ  ጸለዩ።

ኣብ ቃዛ ዘጋጠመ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ምእንቲ እቶም ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑሉ ዘሎ ምእቲ እቶም ስቓይ ዝወረዶም ዘሎ ህዝቢ ጋዛ ጸልዮም ። "ኣብ ኵሉ ግንባራት ውግእ ደው ንምባልን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ንምውጻእ ከምኡውን ነቶም ዝደኸሙ ህዝቢ ረድኤት ንምሃብ" መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ። ኣብ ርእሲ እዚውን እዚ ግጭት ናብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሳዕቤን ከይምዕብል ዝከኣሎም ዅሉ ንኽገብሩ ከምኡውን እዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ደው ምእንቲ ኽብል "መገድታት ዘተን ውዕላትን" ክግበር ኣተባብዑ። ዅሉ እቲ ውግእ ወትሩ ስዕተት ከም ምዃኑ ዜዘኻኽር ቃላቶም ኸም ብሓድሽ ደገምዎ ።

"ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ኣዝዩ ኸቢድ ሰብኣዊ ኵነታት ካብ ምጭናቕ ኣየቋረጽኩን….” እውን በሉ።

ምእንቲ ሰላም ክሰፍን ምጽላይ

ክቡር ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ውን ኣብታ ቅድስቲ መሬት ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ደብረ ዘይት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረጉሉ ኣጋጣሚ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ግጭት ደው ንምባል ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ደጊሞም የቃልሕዎ ነበሩ ። ክቡር ኣባ ፓቶን ኣብ ስብከቶም ነቲ እዛ ምድሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ኣዋርሕ ዘሕለፈቶ ዘሕዝን ኵነታት ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ድማ ሰላም ምእንቲ ክንረክብን "ኣብ መወዳእታ ድማ ደቅሰባት ንኽዕረቑን" ብርቱዕ ባህጊ ከም ዘለዋ ኣሲፊሖም ገለጹ።

ብፁእ ካርዲናል ፔርባቲስታ ፒሳባላ ናይ ላቲናውያን ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ነቲ ቃዛ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ዶሃ ዝገበረቶ ናይ ውግእ ደው ንምባል እተገብረ ውዕላት ኣብ ግምት ብምእታው ንዅሎም ሰባት ኣብቲ ሎሚ ዝግበር ክብረ በዓል ዕርቅን ሰላምን ንኽረኽቡ ልባዊ ጸሎት ከቕርቡ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ቃዛ ቍጽሪ ሙታን ናብ ልዕሊ 40 ሽሕ ደይቡ

ሚኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ እቲ ኣብ ገማግም ቃዛ እተገብረ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብቲ ሃማስ ኣብ እስራኤል ብ 7 ጥቅምቲ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ኣትሒዙ ልዕሊ 40 ሽሕ ፍልስጥኤማውያን ቀቲሉ ልዕሊ 92,400 ድማ ቈሲሉ ይርከብ ኣሎ።

ትካላት ረድኤት ከም ዝሕብርዎ ክሳዕ 21 ሽሕ ዝዀኑ ቘልዑ ከም ዝጠፍኡን ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ድማ ተቐቢሮም ወይ ኣብ ዘይተፈልጠ መቓብር ተቐቢሮም ክዀኑ ይኽእሉ ዝብል ግምታት ከም ዘሎን ኢዩ።

16 August 2024, 16:49