ድለ

Vigil for the victims of IDPs camps attack in Goma Vigil for the victims of IDPs camps attack in Goma  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እተን ብውግእ እተበታተና ሃገራት ሰላም ንክረኽባ ምህለላ ክግበር ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ዩክረይንን ምያንማርን ከምኡውን ቅድስቲ መሬት ዝቕጽል ዘሎ ግጭታትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ሰላም ክሰፍን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ሕጅውን ደጊሞምዎ ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ናይ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብቲ ብውግእን ግጭታን እተበታተነ ቦታታት ሰላም ንኽሰፍን ከምኡውን ምስቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ጥቡቕ ቅርበት ከም ዘለዎም ብምግላጽ ቃል ምሕጽንታ ኣቅረቡ ።

ቅዱስነቶም ነቶም ንሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዘቕረቡሎም ምሕጽንታ፣ ኵሎም ምእምናን ነተን ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ከይርስዑ ብምምሕጻን እታ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይን ዘጋጠማ ዘሎ ዓብዪ ስቓይ ኣዘኻኸሩ።

"ነታ በጃ ዝዀነት ዩክረይን ኣይንረስዓያ" ብምባል ድማ "ምያንማርን ሱዳንን ሰሜን ኪቩ ከምኡውን ኣብ ውግእ ዘለዋ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኣይንረስዕ" ክብሉ ተማሕጸኑ ።

ከምኡ እውን ብተመሳሳሊ ምእንቲ እቶም ኣብታ ቅድስቲ መሬት ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ጸለዩ ።

ወሲኾም ድማ "ሰላም ኪወሃበና ንጸሊ" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ንመንፈስ ቅዱስን ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጃስና ጎራን ኣወፈዩ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ፖላንዳውያን ነጋድያን ሰላምታ እንከቕርቡሎም ምእንቲ ሰላም ጸሎት ኣቕሪቦም።

"እዛ ብውግእን ምክፍፋልን እተለበጠት ዓለምና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ፍረ መንፈስ ቅዱስ የድልያ ኣሎ" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ።

"ካብ ስድራ ቤትኩምን ካብ ስራሕኩምን ጀምሩ ፍቕርን ሰላምን ሰናይን ናብ መዓልታዊ ናብራኹም ኣምጽኡ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ብዙሓት ፖላንዳውያን ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጃስና ጎራ ንግደት የካይዱ ከም ዘለዉ ብምዝካር እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣማላድነታ "ንዓለም ውህበት ሰላም ከምጽኣልና" ጸለዩ።

ምእንቲ እቶም እምነት ንምትሕልላፍ ዝዓዩ ዝለዉ ጸለዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ዝኽሪ ናይቶም ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተባሂሎም ዝፍለጡ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ከም ከም ምዃኑ ውን ዘከሩ ።

"ብዛዕባ እቶም ብዙሕ ዕዮ ዚዓዩ መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ኢና እንሓስብ፣ ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም ከኣ እምነት ንቕድሚት ዘሰጉሙ ግምባር ቀደም እዮም" ብምባል ቅዱስ ኣቦና "ሎሚ ምእንቲ መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ጸልዩ ጐይታ ኼበርትዖም እዩ!" ከምኡውን "ንቕድሚት ኪስጕሙ" ጻውዒት ብምቕራብ ነኣድዎም።

21 August 2024, 16:03