ድለ

2024.08.12 Partecipanti a vari Capitoli Generali 2024.08.12 Partecipanti a vari Capitoli Generali   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ሜመያን ግብረ-ሰናይን ከዘውትሩ ኣተባብዕዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባላት እተን ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበራቶም ንምክያድ ኣብ ከተማ ሮማ ንዝርከቡ ዘለዉ ኣርባዕተ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን ኣብ ሜመያ ክቕጽሉን መንፈስ መንፈስ ግብረ-ሰናይ ከውትሩ ድማ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 13 ነሓሰ ምስ ጥቕላሊ ጉባኤ ማሕበራቶም ንምክያድ ኣብ ከተም ሮማ ዝርከቡ ንዘለዉ ላዕለዎቶም ኣሕሉቕን ኣባላት ኣርባዕተ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ተቐቢሎም ቃለማዕዳን ከም ዝለገሱሎም ቤትጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ ።

ቅዱስነቶም ተቐቢሎም ዘዘራረብዎም ኣባላት ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ማሕበር ኣሓት ደናፍል ዶመኒካውያን ልኢኻነ ወንጌል ቅዱስ ሲክስቱስን፣ ማሕበር ኣሓት ደናግል  ቅዱስ ልበ ኢየሱስን፣ ምሕበር ኣሓት ደናግል በኣታ ለማርያም በቤተ መቅደስን ከምኡውን ማሕበር ካህናት መለኮታዊ ጸዋዕታ ኢዮም ዝነበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለቲ ንቤተ-ክርስትያን ዝገበርዎ ዘለዉ ኣገልግሎትን ተወፋይነትን ዘለዎም ምስጋናኦም ገለጹሎም።

ምስትውዓል

ቅዱስ ኣቦና ንዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን ንኣገዳስነት ሜመያ ብምስትንታን ኢዮም ዝጀመርዎ፣ እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ውልቀ - ሰባትን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ሜመያ ኣገዳሲ ውሳነታት ኣብ እንገብረሉ ኣገዳሲ እዋናት ኰነ ብዛዕባ ንኣሽቱ ጕዳያት ኣብ እንገብሮ መዓልታዊ ውሳነታት ወሳኒ ዝኾነ ክፍሊ ህይወት እዩ" በሉ። "ምስትውዓል ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትትን ንጐይታን ንርእስኻን ንኻልኦትን ምስማዕ ዚሓትትን እዩ። እዚ መስርሕ እዚ 'ብጸሎት ብኣስተንትኖ ብትዕግስቲ ብምጽባይ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ትብዓትን መስዋእትን' ዝሓትት ኢዩ።" ክብሉ መዓድዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ጽቡቕ ቅኑዕን ውሳኔ ምግባር ብዙሕ ሓጐስ የምጽኣልና ኢዩ" ብምባል ጽቡቕ ውሳነታት ብምግባር ዝርከብ ሓጐስ እንታይ ከም ዝመስል ኣመልከቱሎም።

ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ኣባላት ማሕበር ሰብ ውፍይ ህይወት ከአ ንመንእሰያት ነቲ "ናጻ ምዃን ክበሃል ከሎ ብጥበብን ብልሓትን ግን ከኣ ብትብዓትን ብመንፈስ ምናኔ ርእስን መስዋእትን ከምኡውን ንኻልኦት ከም ውጥን ኣምላኽ ብምፍቃር ሓጐስ ምርካብ ማለት ምዃኑ" ንኽርድኡ ክሕግዝዎም ተማሕጸንዎም።

ሥነ መዕበያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ርእሰ ነገር ሥነ-መዕበያ ምልስ ብምባል ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብተን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ልሙድን ዝካፈልዎ ተልእኾን ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ ።

ቅዱስነቶም ንገዳማዊ ሕይወት ሰብ ውፉይ ሕይወት ከም "ንብምሉኡ ኩነት ህላዌ ዝሓቘፈ መገዲ ዕቤት ኣብ ቅድስና" ገይሮም ገለጽዎ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኣባላት ማሕበር ሰብ ውፉይ ሕይወት ድማ ኣብ ጸሎትን ህይወት ምስጢራትን ብምንባር ምስ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎም ርክብን ጸኒዖም ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "እቶም ወትሩ 'ኣብ ሥነ ማዕበያ' ከም ዘለዉ ኬስተውዕሉ ዚኽእሉ እቶም ትሑታት ሰባት ጥራይ እዮም፣ ንፉዓት 'ኣገልገልቲ ሥነ መዕበያ' ኪዀኑ ተስፋ ዘለዎም ድማ ንሳቶም ኢዮም" በሉ።

ኣገልግሎት ፍቕሪ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ሓሳባም ማለት ብዛዕባ ግብረ - ሰናይ ኣገልግሎት ፍቕሪ ኣመልከቱሎም ።

ግብረ - ሰናይ ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ ናይዘን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት እዚኣተን ዘለዎ መሰረታዊ ግደ ድማ ገለጹ፣ ነቶም ላዕለዎት ኣሕሉቕ ናይዘን ማሕበራት ድማ ነቲ እቶም መሥረቲ ማሕበራቶም ከኣ ቅድስቲ ማድሊነ ሶፊየ ባራት ከምኡ ውን ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ማሪያ ኣንቶንያ ላሊያ ዝኣመሰላ ንገጽ ድኻታት ከም ምልክት ተልእኾኦም ገይሮም ከም ዝርእይዎ ኣዘኻኸርዎም ።

"ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቶም ብእተሸገሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቢሉ እዩ ዚዛረበና፣” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኣብ ኵሉ እቲ እንህቦም ህያባት ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ነጸብራቕ ከም ምዃና ኣጕልሑ። "ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንኽንህሉ ዘለዓዓለናዝሕብር ናይ ምስጋናን ስስዐ ኣልቦ ፍቕርን ዝኾነ መንፈስ ከተጐሃህርዎ ጸዓሩ" ብምባል ውን ኣተባብዕዎም።

እዚ ኸኣ "ንጕዕዞና ምንጪ ብርሃንን ከምኡውን ንገዛእ ርእስናን ኣብ ከባቢናን ነቲ ኣብዚ ግዜና ሰፊኑ ዘሎ መጠኑ ዝሓለፈ ውልቃውነትን ከምኡውን ማሕበራዊ ውድቀትን ንምስጋር ውጽኢታዊ ፈውሲ ኢዩ" ብምባል ቃለ ምዕዳኖም ደምደሙ።

13 August 2024, 16:17