ር. ሊ. ጳ. ምሉእ ህይወት ንምርካብ ብመገዲ ፍቕሪ ክንመላለስ የተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ናብ ምልኣተ ህይወት ዝመርሕ ሥጋዊ ነገራት ዘይኰነስ ብመንገዲ ፍቕሪ ምጕዓዝ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ነቶም ንጸሎት መልኣካእ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ደድሕሪ እቲ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ብሒደት ሕብስትን ዓሳን ንብዙሓት ሰባት ዘጽገብሉ ተኣምርት፣ ብዙሓት ሰባት ንኢየሱስ ክደልይዎ እንከለዉ ብዛዕባ ዘጋተመ ኩነታት ኣአስተንተኑ።  

ንዘሎና ምሃብ

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ብሒደት እንጌራን ዓሳን ንምምጋብ ዝገብሮ ተኣምር፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘበርክቶ ንእሽቶ እኳ እንተ ኾነ ብዘየገድስ ዘለዎ እንተ ኣካፊሉ ብሓገዝ ኣምላኽ ንብዙሓት ሰባት ክጠቕም ከም ዝኽእል ዜርኢ ተኣምራት ምዃኑ ኣጕልሑ ። እቶም እዚ ተኣምር እዚ ክፍጸም እንከሎ ኣባኡ ዝነበሩ ሰባት ግን ኣብቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ተኣምርን ኣብቲ ንግዜኡ ንሥጋዊ ጥሜቶም ዘዕገበ ኩነት ጥራይ እዮም ዘተኰሩ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ዝዓበየ ትርጕም እዚ ተመክሮ እዚ ድማ እንታይ ምንባሩ ገለጹ።

ሓቀይና እንጌራ

እቲ ሒደት እንጌራን ዓሳታትን ብተኣምራቶም ንጥሜቶም ከጽግብ እንከሎ፣ በዚ ተኣምራት እዚ "ነታ ዘልዓለማዊት ናይ ሕይወት መገዲን ከምኡ ከኣ ነቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ዜጽግብ ጣዕሚ እንጌራን" ከመይ ምዃኑ ገለጸሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ሓቀይና ናይ ሕይወት እንጌራ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ፣ እቲ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ንሃለዋትና ክካፈል ዝመጸ፣ ናብቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ እንገብሮ ሕብረት ንእንረኽቦ ሓጐስን በረኸተን ዚመርሓና ድማ ንሱ እዩ ።

መገዲ ፍቕሪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ኣስዒቦም ሥጋዊ ነገራት ናብ ምሉእ ህይወት ከም ዘይመርሕ ይገልጹልና፣ ከመይሲ ፍቕሪ ጥራይ ኢያ መንገዲ ምሕረት ብምስዓብ ንገዛእ ርእሳ ዋላ ሓንቲ ዘይትዕቅብን ንዅሉ ከተካፍል እትኽእል ። ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ገይሮም ኬዕብይዎምን፣ ጽቡቕ መጻኢ ኺሓድጉሎምን ኪጽዕሩ ኸለዉ፣ እዚ ኣብ ስድራ ቤታት ብኸመይ ክግለጽ ከም ዝከኣል ውን ኣመልከቱ። እቶም ቈልዑ እውን ብግዲኦም ሞሳኦም ክመልሱን ንሓድሕዶም ክደጋገፉን ይኽእሉ ኢዮም።

"ትምህርቲ ኣቦን ኣደን እቲ ኣዝዩ ኽቡር ውርሻኦም ገንዘብ ኣይኰነን፣ የግዳስ ከምቲ ኣምላኽ ምሳና ዝገብሮ ንደቆም ዘለዎም ኵሉ ዝህብሉ ፍቕሪ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንኸነፍቅር ይምህሩና ኢዮም።"

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ነቲ ምስ ስጋዊ ነገራት ዘሎና ርክብ ክንምርምሮ ግቡእ ከምዃኑን፣ ከምኡ ከኣ ፍቕርናን ሓጐስናን ንምግላጽ ንኻልኦት ብናጻ ኸነካፍሎምን፣ ስለቲ እተቐበልናዮ ውህበታት 'ተመስገን' ኽንብል ከም ዘሎና ኣስተምሃሩ።

"እታ ንየሱስ ምሉእ ህይወታ ዝሃበቶ ማርያም ንዅሉ ነገር ከም መሳርሒ ፍቕሪ ጌርና ከነወፍዮ ትሓግዘና፣" እንክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

05 August 2024, 17:50