ድለ

2024.08.18 Il pellegrinaggio delle donne a Piekary Śląskie, foto Roman Koszowski / Foto Gość 2024.08.18 Il pellegrinaggio delle donne a Piekary Śląskie, foto Roman Koszowski / Foto Gość 

ር. ሊ. ጳ. ንደቂ ኣንስትዮ ዜሐጕስ ምስክርነት ንምሃብ ናብ ፖላንድ ኪኸዳ ኣተባብዐን

ኣብ መወዳእታ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ኣብ ፒካሪሽ ስሎስኪየ ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ንግደት እተሳተፉ ብዙሓት ደቂ ኣንስትኖ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነተን ናብቲ ኣብ ፒካሪሽ ስልስኪየ ኣብ ዚግበር ንግደት እተሳተፉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸራ ኣዴታትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ሰላምታ እንከወፍዩለን "ንወንጌል ኣብ ስድራ ቤትን ብማሕበረሰብን ብሓጐስ ክምስክራ" ኣተባብዕወን። እዚ ቦታ ኣምልኾ እዚ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም እተወፈየ እዩ ። ከም ልማድ ንግደት ኣቦታትን መንእሰያት ኣወዳትን ኣብ ወርሒ ግንቦት፣ ኣብ ነሓሰ ድማ ንግደት ኣዴታትን መንእሰያት ኣዋልድን ዝካየደሉ መካነ ንግደት ኢዩ።

ሎም ዓመት ብፁዕ ካርዲናል ገርሃርት ሙለር መሥዋዕተ ቅዳሴ መርሖም ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኸኣ "ኣብ ትሕቲ መስቀል ኢየሱስ ደው ምባል ደኣ እምበር ፈሪህካ ምህዳም ናይ ሓቂ ክርስትያን ዝገብሮ ነገር ኣይኮነን" ብምባል ኣስተንተኑ ። ወሲኾም ድማ ኣብነት እተን ኣብ ትሕቲ መስቀል ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ "ነቲ ፍሉይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክእለት ወይ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ሃይማኖታዊ ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ እውን ዘርእየና ኢዩ" በሉ።

'ቤተ ክርስትያን ንስብከተ ወንጌል ኢያ'

ብፁዕ ኣቡነ ኣድርያን ጋልባስ ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ እቲ ቤተ-መቕደስ ፒያካሪሽ ዚርከበሉ ርእሰ ሰበኻታት ብወገኖም "ቤተ-ክርስትያን መንፈሳዊ መዘናግዒ ማእከል ኣይኰነትን፣ ቤተ-ክርስትያን ንወንጌላውነት እያ እተመልክት" በሉ። ኣስዒቦም ድማ ነቲ ጭርሖ ናይዚ ንግደት "ኣነ ኣብ ቤተ ክርስትያን እየ ዘለኹ ፣ ስለዚ ድማ እኸይድ ኣሎኽ " በሉ።

እቶም ተሳተፍቲ ዝሃብዎ ምስክርነት ድማ ዘተባብዕ ኢዩ ዝነበረ - "እዚ ንግደት እዚ ኣብ ምሉእ ዓመት ብርታዐ ይህበና ኢዩ። ሓንቲ ኻብ ካቶቪተስ ዝመጸት ኣደ ኣብ ምስክርነታ ቅድስቲ ድንግል  ማርያም ሓይሊ ትህበና እያ " በለት ። ሓደ ኻብቲ ብተደጋጋሚ ዚጽልዮ ዝነበረ ጸሎታት ድማ ብዛዕብ ጥዕናን ስኒት ስድራ ቤትን ሓዳርን ውሉድን እዩ ዝነበረ ።

19 August 2024, 17:48