ር. ሊ. ጳ. ነቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዘጋጠመ ኣቶማዊ ቦምብ ይዝክሩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ኣብተን ብውግእ ዝዓንዋ ዘልዋ ሃገራት ሰላም ንኽግበር ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዳግም ኣሐደስዎ፣ ምእንቲ እቶም ግዳያት ናይቲ ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ድማ ጸልዮም።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን ምእመናንን ኰይኖም ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ድሕቲ ምዕራግ፣ ነዚ ዝስዕብ ጻውዒት ኣቕረቡ፦
"ብፍላይ ኣብታ በጃ ትኸውን ዘላ ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ሱዳን ምያንማርን ሰላም ንምርካብ እንገብሮ ዘሎና ጽዑቕ ጸሎት ነሐድሶ።"
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን ነቲ ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳክን ብኣቶማዊ መጥቃዕቲ ንዝወረደ ዕንወት ዘከሩ ።
ኵሉ ሰብ ምእንቲ እቶም "ግዳያት እዚ ፍጻመታትን ኵሉ ውግኣትን" ክጽሊ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወሲኾም ውን ነቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ ብራዚል ሓደጋ ነፋሪት ድሕሪ ምግጣሙ ዅሎም እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነብሩ 61 ሰባት ብምሟቶም እተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ።
እታ ብመንገዲ ኣየር ቮፓስ እትመሓደር ናይ ተጓዓዝቲ ነፋሪት ንትኹል ብምንቍልቋላ ኣብ ከተማ ቪንሄዶ ኣብ ዚርከብ መንበሪ ገዛውቲ ወዲቓ ተሓምሸሸት ።
እዛ ካብ ካስካቨል ናብ ሳኦ ፓውሎ ትበርር ነበረት ነፋሪት ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ግን ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ኣየውረደትን።
12 August 2024, 17:15