ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ቅድስመ ኩነታዊ ፍርድታትና እተመስረተ እንተደአ ኮይኑ እምነትና ሓቂ ኣይኮነን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 11 ነሓሰ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር እተኣከቡ ነጋድያንን በጻሕትን ኰይኖም ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣዕሪጐም። ኣብቲ ቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 6 ካብ ፍቕዲ 41 ክሳብ 51 ኣስተምሂሮም ።
ቀቅድሚ እቲ ወትሩ ሰንበት ዘዕርግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቶም ብግዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ሰባት ነቲ "ኻብ ሰማይ ወሪዱ" ዚብል ቃሉ ምቕባል ከም ዝኣበዩ ገሊጾም።
ንኣቦኡን ንኣዲኡን ከምኡ ውን ነቲ ከም ጸራቢ ዀይኑ ዚዓዮ ዝነበረ ሞያን ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፣ ኣምላኽ ንርእሱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍሉጥን ተራን መገዲ ክግለጽ ኸም ዚኽእል ከጠራጥሮም ተረኽበ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኣብ ኣስተትኖኦም "ብዛዕባ እቲ ትሑት ዝኾነ መበቈሉ ዝነበሮም ግምታት ካብኡ ዚመሃርዎ ነገር ከም ዘይብሎም ገይሮም ብምሕሳብን ኣብ እምነቶም ዕንቅፋት ክኾኖም ተረኽበ” በሉ።
ተሪር ልቢ ንመንፈሳዊ ዕቤት ይዓግቶ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ልብን ንመንፈሳዊ ዕቤት ሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ጐዳኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ውን ገለጹ ።
ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ተገሊጹ ዘሎ እቶም ብግዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ሕጊ ኸም ዚሕልውዎን ከም ዚጽልዩን ጾም ከም ዚጾሙን ይገልጽ፣ ነዚ ተግባራት እዚ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ኸኣ ነቲ ኣቐዲሞም ዚሓስብዎ ዝነብሩ ንምርግጋጽ ጥራይ ምዃኑ ገለጹ።
"በዚ ኸምዚ ድማ ካብ ኢየሱስ መግለጺ ንምሕታት ዋላ ሓንቲ ኣይተወላወሉን" በለ። "ኣብ ንሓድሕዶም ብዛዕባ እቲ ዝኣምንዎ ርግጸይናታት ከም ምዃኖም ንምርግጋጽ ኣብ ሓደ ዘይስዓር ዕርዲ ኸም ዘለዉ ዀይኖም ኣብ ንሓድሕዶም ብዛዕባኡ ከጕረምርሙ ተረኽቡ።"
እቲ ርኹስ ልቦምን ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ምሃቦምን ኣብ ወዲ ኣምላኽ ንኸይኣምኑ ኸም ዚዓግቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ ።
ናይ ሓቂ እምነትን ጸሎትን ንልቢ ይኸፍቶ ደኣ እምበር ኣይዓጽዎን
ቅዱስ ኣቦና ብምቕጻል ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና እምነትን ፍርድታትን ጥራይ መረጋገጺ ንምርካብ ክንጽሊ ኸለና ተመሳሳሊ ነገር ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ውን ኣጠንቀቑ ።
"ናይ ሓቂ እምነትን ጸሎትን ኣእምሮን ልብን ይኸፍት ደኣ እምበር ኣይዓጽዎን ኢዩ" በሉ። "በኣእምሮኡን ኣብ ጸሎቱን ዕጹው ዝዀነ ሰብ ምስ እትረክብ እምነቶምን ጸሎቶምን ሓቂ ኣይኰነን።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብሓቂ ስቕ ክንብልን ድምጹ ኽንቅበልን ንኽእል እንተ ዄንና ንርእስና ኽንሓትት ብምዕዳም ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ ።
"ማርያም ንድምጺ ጐይታ ብእምነት ክንሰምዖን፣ ብትብዓት ክንገብርን ትሓግዘና።"