ድለ

FILES-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR-RELIGION FILES-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR-RELIGION  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ዩክረይን ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ክህሉ ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ደድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝለግስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ክየቭ ነታ ምስ ፓትርያርክ ሞስኮ እተተሓሓዘት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ንምእጋድ ዝገበሮ ውሳነ ኸም ዘሰከፎም ገለጹ። "ዝኾነት ትኩን ወላ ሓንቲ ክርስትያናዊት ቤተ-ክርስትያን ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ክትስረዝ ኣይግባእን" ክብሉ ተማሕጸኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ደድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ባይቶ ዮክረይን ኣብ ቀረባ እዋን ፣ ነታ ምስ ፓትርያርክ ሞስኮ እተተሓሓዘት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ንምእጋድ ዝገበሮ ውሳነ ብምጥቃስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝተገብረ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘለዎ ጓሂ ገለጹ።

"ነቲ ኣብ ዩክረይንን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ብጓሂ ኻብ ምስዓብ ኣየቋረጽኩን። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዩክረይን እተገብረ ሕግታት ክሓስብ ከለኹ ኸኣ፣ እቶም ብሓቂ ዚጽልዩ ወትሩ ምእንቲ ዅሎም ስለ ዚጽልዩ ከዓ፣ ብዛዕባ ናጽነት ናይቶም ዚጽልዩ ሰባት የሰክፈኒ ኣሎ። ሓደ ሰብ ብጸሎ እከይ ኣይገብርን እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እከይ እንተ ገይሩ በዳሊ ይኸውን ፣ ስለ ዝጸለየ ግና እከይ በደል ክኸውን ኣይክእልን እዩ ። ስለዚ እቶም ክጽልዩ ዝደልዩ ኣብቲ ንቤተ - ክርስትያኖም ገይሮም ዝርእይዎ ነገራት ክጽልዩ ይፍቀደሎም ። በጃኹም ዋላ ሓንቲ ክርስትያናዊት ቤተ-ክርስትያን ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ክትስረዝ የብላብ። ኣብያተ-ክርስትያን ክትንከፋ የብለንን!" በሉ

ውሳነ ክየቭ

እቲ ብዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ክየቭ ብድምጺ ብዙሓት እተደገፈ ሕጊ ነቶም ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሩስያ ሕብረት ዘለዎም፣ ርክቦም ንምብታኽ ንትሽዓተ ወርሒ ዝኣክል እተሻቐሉ ምእመናን ዝምልከት ኢዩ ዝነበረ፣ እዚ ስጕምቲ እዚ ኸኣ ካብ ፓትርያርክ ሞስኮ ብኡንብኡ ግብረ መልሲ ተወህቦ እዚ ስጕምቲ እዚ ኸኣ "ኣብ ዓውዲ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ ንሰብኣዊ መሰላት ብንጹር ምጥሓስ" ምዃኑ ገለጹ።

ሰላም ንምርካብ ዚግበር ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፍልስጤምን እስራኤልን ምያንማርን ከምኡውን ንዅሉ እቲ ብውግእ ዝሳቐ ዘሎ ኽፍልታት ዓለም ብምጥቃስ ውግእ ደው ንኽብል ኵሉ ሰብ ክጽሊ እንደገና ጻውዒት ኣቕረቡ ። ከምዚ ብምባል ድማ ኣጕልሑ - "እቶም ህዝቢ ሰላም ይልምኑ ኣለዉ! ጐይታ ንዅላትና ሰላም ክህበና ንጸሊ።”

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍርንቸስኮ ኣብቲ ደድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ ምስቶም ብሕማም በዲዶ ህበይ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት፣ ብፍላይ ከኣ ምስቶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዉ ሕሙናብ ዘለዎም ቅርበት ብምግላጽ ምስቲ ሕጂ ዓለምለኻዊ ህጹጽ ኵነታት ጥዕና ዀይንዎ ዘሎ ለበዳ ዘለዎም ሻቕሎት ገለጹ። ንህዝቢ ኒከራግዋ ውን ኣብ ኢየሱስ ንዘለዎም ተስፋ ንኼሐድሱ ብምትብባዕ እውን ኣጸናኒዕዎም ።

26 August 2024, 18:08