ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ትመርሓና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሥርዓት ላቲን እትኽተል ቤተክርስቲያን በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ኣብ እተኽብረሉ ዕለት ዘዕረቅዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ብዛዕባ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና በቲ ዘይንቀሳቐስ ሓወልቲ ኽትደናገር ከም ዘይብላ፣ የግዳስ ወትሩ ጻዕራም ብጸይትና ምዃና ክንግንዘብ ከምዘሎና ንምእመና ኣዘኻኺሮም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚባሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ብዛዕባ እቲ ክቡር ዝኾነ ፍልሰት እኖና ድንግል ማርያም ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ መስከሩ፦

ማርያም ኣደና ብሓጐስ ናብ ወዳ ትመርሓና ።

ብዕለት 1 ሕዳር 1950 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ናብ ሰማይ ከም ዝፈለሰት በቲ “ሠናይ እግዚአብሔር” እተሰምየ ሓውርያዊ ቅዋሞም ኣቢሎም ከም ናይ እምነት ዓንቀጽ እምነት ኣወጅዎ ። ኣብታ ሓወርያምዊት ቅዋም “ሠናይ እግዚአብሔር” ከም ዝጸሓፍዎ ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ምሉእ ብምሉእ ፍሉይ መሰል ብምርካብ በቲ ንጹሕ ጽንሰታ ንሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ክንዲ ዝተሳገረቶ” ኸምኡውን ከም ውጽኢት ናይዚ "ኣብ ምብስባስ መቓብር ክትጸንሕ ዚእዝዝ ሕጊ ኣይረኸባን ንድሕነት ሰብነታ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ኽትጽበ ኣየነበራን" ክብሉ መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ ኣስዕብ ኣቢሎም "እታ ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም እተጸንሰት ኣደ ኣምላኽ እታ ምድራዊ ህይወታ ዝዛዘመት፣ ወትሩ ድንግል ማርያም ብስጋን ብነፍስን ናብ ሰማያዊ ኽብሪ ከም ዝፈለሰት" ብዘየማትእ መገዲ ገለጹ።

ቤተ-ክርስትያን ብዕለት 15 ነሓሰ ነዚ ክብረ በዓል ኣብ እተኽብረሉ ዘላ ዕለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌ ምርኩስ ብምግባር ነቲ ኣብ መንጎ ማርያምን ኤሳቤጥ ጓል ሓትኖኣን ዝገብራኦ ዝርርብ ብምጥቃስ ኣአስተንተኑ።

ብዛዕባ እታ ብስራት ናይቲ መልኣኽ ምስ ተነግራ ንጓል ሓትንኣ ኽትበጽሓ ከም ዝኸደት ብምምልካት ቅዱስነቶም ነታ 'ማርያም ተላዒላ ኸደት' እትብል መግለጺ ብምጉላሕ "ድንቂ" ዝኾነ ቃል ኢዩ ክብሉ ኣምልከቱ።

ተቐላጢፋ ብታሕጓስ ተበገሰት

እዚ ማለት ከኣ "ማርያም ነቲ ኻብ መልኣኽ እተቐበለቶ ብስራት ኸም ፍሉይ መሰል ገይራ ኣይረኣየቶን "ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ" ካብ ቤታ ወጺኣ ነቲ ሓጐስ እቲ ንኻልኦት ክተካፍል ንጓል ሓትነኣ ከተገልግልን ብዚህንጠ ባህሪ ተሃዊኻ እያ ጕዕዞኣ ዝጀመረት " በሉ ።

ከም ሓቁ እኳ ደኣስ እዚ ናይ መጀመርታ ጕዕዞ እዚ "ንብምሉኡ ህይወታ ምሳሌ ዝኸውን እዩ" በሉ፣ ከመይሲ "ካብታ ህሞት እቲኣ ንንእስነታ ንኢየሱስ ከም ወደ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ክትስዕቦ እያ ዝመረጸት።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኣብ መወዳእታ እኖና ድንግል ማርያም  ምድራዊ ጕዕዞ በቲ ናብ ሰማይ ዝገበረቶ ፍልሰት ከም ዝተዛዘመ ዘከሩ፣ ኣብኡ ኸኣ "ምስ ወዳ ዀይና ንዘለኣለም ሓጐስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ትሳተፍ ኣላ።"

ምስ ወዳ ዀይና ንዘለኣለም ሓጐስ ዘለኣለማዊ ህይወት ተስተማቕር እያ ዘላ ድማ" በሉ።

ቅድስቲ ኣዴና ኣብ ጕእዞና ትመርሓና

"ማርያም ከም ዘይትንቀሳቐስ ሓወልቲ ስምዒ ጌርና ኽንሓስባ የብልናን" ክብሉ ድማ መዓደ።

በዚ ኸምዚ ኸኣ ህይወትና ናብቲ ምስ ጐይታ ዘሎና ናይ መወዳእታ ሕብረት እትገብሮ ቐጻሊ ጕዕዞ ምዃኑ ብምዝኽኻር ኣብ መገዲ እትቕድመና ቅድስቲ ድንግል ምዃና ገለጸ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ቀቅድሚ እቲ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ማርያም ናብ ሰማይ ክንጐዓዝ ከለና ኣብ ጐድንና ኸም ዘላ ንዅሎም እሙናት ብምርግጋጽ ደምደመ ።

16 August 2024, 16:47