ድለ

2024.08.23 Beniamino Zuncheddu  in udienza da Papa Francesco. 2024.08.23 Beniamino Zuncheddu in udienza da Papa Francesco. 

ር. ሊ. ጳ. ምስ ሓደ ሳርዲንያዊ ጓሳ ድሕሪ 33 ዓመት ማእሰርቲ ብሰንኪ ቅትለት ምስ ትተፈትሐ ረኸብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቲ ብ1991 ሰለስተ ሰባት ብምቕታል ን33 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ካብ ማእሰርቱ ዝወጸ ሓደ በንያሚኖ ጹንቸዱ ዝተባህለ ካብ ሳርዴንያ ዝኾነ ኢጣልያዊ ጓሳ ንብሕቱ ረኺቦም ኣዘራረብዎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ኢዩ ዝነበረ። እቲ ብ1991 ወዲ 26 ዓመት እንከሎ እተኣስረን ሕጂ ኣብ 60ታት ዕድሚኡ ዘሎን በንያሚኖ ጹንቸዱ ነቲ ንሰለስተ ሰባት ከም ዝቐተለ ዝኸሰሶ ሰብ ይቕረ ከም ዝበለሉን ጸኒሑ ግን ነቲ ኽሲ ኸም ዝነጸጎ ገለጸ ።

እቲ ናይ ኢጣልያ ላዕለዋይ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ነዚ ናይ ጹንቸዱ ክሲ ድሕሪ 33 ዓመት ማእሰርቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2024 ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ኣውጽኦ ዝፍለጥ ኢዩ።

ጹንቸዱ ምስ ጠበቓኡ ብምኹና Io sono innocente (ኣነ ንጹሕ እየ!) ዘርእስታ መጽሓፍ ኣሕተመ፣ ትማሊ ዓርቢ ንግሆ ድማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዛ መጽሓፍ ኣወፈየሎም።

ጹንቸዱ ኣብታ ዝጸሓፋ መጽሓፉ ብዛዕባ እቲ ንነዊሕ እዋን ዘሕለፎ ዜሕዝን ተመክሮ የዘንቱ ። ኣብ ሰለስተ እተፈላለየ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዘሕለፈን፣ ሓድሓደ ንእሽቶ ክፍሊ ምስ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ይካፈል ብምባሩ ኣብ ምሕጻብን ድቃስን እውን ከይተረፈ ከቢድ ጸገማት የጋጥሞ ከም ዝነበረ የዘንቱ።

ነዚ ኩሉ ድማ ኢሰብኣዊ ተግባር ከም ዝዀነ ገይሩ ብምጽዋዕ፣ ነቶም ካብ ገዛእ ርእሱ ዝገደ ስቓይ ዝንበሮም ሰባት ክሕግዞም ከም ዝኸኣለ ገለጸ ። ጹንቸዱ ኣብ ኣምላኽ ብምውካልን ብዛዕባ ስድራቤቱ ብምሕሳብን ብርታዐ ኸም ዝረኸበ ውን ይምስክር ።

ኣብታ መጽሓፉ ከም ዝገለጾ ነቲ ቐታሊ ኸም ዝዀነ ገይሩ ዝኸሰሶ ሰብ ይቕረ ኸም ዝበለሉን፣ ጸኒሑ ኸኣ ነቲ ኽሱ ከም ዝልዓለሉን ገለጸ ።

24 August 2024, 17:56