ር. ሊ. ጳ.፦ ዓለም ንብኽያት እቶም ኣብ ምድረ በዳን ባሕርን ዝሞቱ ስደተኛታት ከተስተውዕሎ ኣለዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ክብሉ ምድረ - በዳን ባሕርን ሰጊሮም ንኽሓልፉ ዝሞቱ ዘለዉ ስደተይናታት ዘይምግዳስ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም፣ ኣብ ፍትሕን ሓድነትን እተመስረተ ዓለምለኻዊ ሓልዮት ክግበረሎም ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዚገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታቶም ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክገብርዎ ዝጸንሑ ሓንሳዕ ሕልፍ ብምባል ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ኩነታ ስደተይናታት ኣስተንትኖ ኣቕሪም ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይዚ ሰሙን እዚ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ናብቲ ብሰላምን ብድሕንነትን ኪነብሩሉ ዚኽእሉ ቦታ ንምብጻሕ ብርቱዕ ፈተናታት ዜጋጥሞም ዘሎ ስደተኛታትን ዝረኽቦም ዘሎ ጸገማትን ኣቶኩሮ ብምግባር ሰፊሕ ኣስተንትኖ ለጊሶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተደጋጋሚ ኣብ ምስክርነታት ስደተይናታትን ኣብቶም እቶም ዝሕግዝዎምን ዝስምዓ ክልተ ቃላት ብምግላጽ "ባሕርን ምድረ በዳን" ዝብላ ከም ዝኾና ኣጕልሑ።

ቅዱስ ኣቦና በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሮም ንዅሉ እቲ ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞኦም ኪሰግርዎ ዘለዎም ዕንቅፋታትን ሓደጋታትን ኬጠቓልልዎ ተረኽቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጳጳስ ናይ ሮሜ ስለ ዝዀኑን ከም ምልክት ኰይኑ ስለ ዜገልግልን ብዛዕባ ማዕከላይ ባሕሪ ብዙሕ ሳዕ ከም ዚዛረብ ኣመልከቱ።

ነታ ጥንታዎት ሮማውያን ንማእከላይ ባሕሪ ንምግላጽ ዚጥቀሙላ ዝነበሩ ናይ ላቲን ሓረግ ውን ዘከሩ “Mare nostrum,” (ባሕርና) “ኣብ መንጎ ህዝብታትን ስልጣነታትን ሕብረት ቦታ ዝኾነ ሎሚ ግና መቓብር ኰይኑ ኣሎ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ መብዛሕትኡ እዚ ሞት እዚ ክውገድ ዝከኣል ነይሩ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቶም "ብዅሉ መገድታት ንስደተኛታት ንምዕጋት ብሜላ ንዝዓዩ" ዘለዉ ሰባት ድማ ኰነንዎም ኢዩ።

"እዚ ከምዚ ዝበለ ተግባር ድማ  ደይመደይ ኢልካን ብሓላፍነትን ምስ ዝግበር ድማ ዓቢይ ሓጢኣት እዩ" በሉ። "ነቲ ቅዱ መጽሓፍ 'ንጓና ኣይትበደሎ ወይ ኣይተጨንቐሉ' ዚብል ሓሳብ ኣይንረስዓዮ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ባሕርን ምድረ በዳን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸም ዘለዎ ውን ገለጹ፣ ከመይሲ "ሰባት ካብ ጭቈናን ባርነትን ኪሃድሙ ኸለዉ ሕለፍዎ ዝምስክሩ ኢያቶም።"

ምድረበዳን ባሕርን "መከራን ፍርህን ተስፋ ቁርጸትን ዘለዎ ቦታታት ኢዩ፣ ምስናይዚ ግን ናብ ሓርነት ድሕንነት ከምኡውን ናብ ምፍጻሜ ተስፋታት ኣምላኽ ዝመርሕ ቦታ ከዓ ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣምላኽ ባዕሉ ነቲ ስደተኛታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ተመክሮ የካፍሎ እዩ ። "ንሱ ውን ምሳታቶም እዩ፣ ምሳታቶም ይሳቐ፣ ምሳታቶም ይበክን ተስፋ የሕድርን።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ስደተይታት ኣብቲ ሓደገኛ ባሕርን ምድረ በዳን ኪዀኑ የብሎምን" ዚብል ሓሳብ ኵሉ ሰብ ኪሰማምዓሉ ኸም ዚኽእል ገለጹ።

እንተዀነ ግን ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ብጽኑዕ ሕግታት ወይ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዶብ ክግበር ከም ዘይከኣል ውን ኣመልከቱ ።

"ንስደተይናታት ድሕንነትን ስሩዕን መገድታት ብምስንዳው፣ ነቶም ካብ ውግእን ዓመጽን መስጐጕትን ከምኡውን እተፈላለየ ዕንወት ንዝሃድሙ ዕቝባ ብምሃብ ነዚ ኽንበጽሖ ንኽእል ኢና" በሉ። "ኣብ ፍትሕን ሕውነትን ሓድነትን እተመርኰሰ ዓለምለኻዊ ምምሕዳር ስደተኛታት ብምድንፋዕ ነዚ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና።"

ቅዱስ ኣቦና ንዕዮ ናይቶም "ኣብ ሓሙሽተ ኽፍለ-ዓለም ንእተጐድኡን እተዘንግዑን ስደተኛታት ንምሕጋዝን ንምድሓንን ገዛእ ርእሶም ዝወፈዩ ብዙሓት ሕያዎት ሳምራውያን" ነኣድዎም።

ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ንስደተይናታት ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ዚጽዕር ማሕበር ሲቪላዊ ማሕበር ኢጣልያ “ሜዲተራንያ” ንደቂ ሰብ ንምድሓን ዝገበሮ ዘሎ ጻዕሪ ጠቐሱ።

"እዞም ተባዓት ሰብኡትን ኣንስትን እዚኣቶም በቲ ጐዳኢ ዝዀነ ናይ ዘይምግዳስ ባህሊ ንገዛእ ርእሶም ከየራኽሱ ንዝጸንዑ ምልክት ደቅሰባት ኢያቶም" በሉ።

ኣብቲ ግንባር ክንኣቱ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና ነፍሲ ወከፍና ብጸሎትና ንኸምዚ ዝበለ "ስልጣነ ንምቅላስ" ብናይ ገዛእ ርእስና መገዲ ኣበርክቶ ኽንገብር ከም እንኽእል ብምግላጽ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

29 August 2024, 09:18