ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ጥምቀት ኢየሱስ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንወዲ ኣምላኽ ዝቐብኣሉ ፍጻሜ ብምስትንታን፣ ነቲ ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘለዉ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን” ቅርጺሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ 6ይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝለገስዎ ትምህርቲ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ድሕነት "ኣዝዩ ኣገዳሲት ህሞት" ከም ዝዀነ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብተኸታታሊ ዘስተምህርዎ ዘለዉ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ ዝተቐበሎ መንፈስ ቅዱስ ገለጹ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም "ነዛ ክፍሊ ወንጌል እዚኣ እንደገና ኸነንብባ ጽቡቕ እዩ!" ክብሉ ኣተባብዑ።

ኣብኡ ኸኣ ጐይታኢየሱስ እቲ ፍቑር ወዲ ኣቦ ምዃኑ ኸም እተገልጸ፣ ጐይታ ድማ ኣብ መጀመርታ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተቐብአን ኣጉልሑ ።

ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና፣ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ መሲሕ ካህን ነብዪ ከምኡውን ንጉስ ኢዩ ተቐቢኡ፣ ንሱ ውን ብግዲኡ ነቶም ኣባላት እታ ምስጢራዊ ኣካሉ ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ሃበና።

ኣብ ጥምቀት ነፍሲ ወከፍና በቲ ቅዱስ ቅብኢ "ኣብ ህይወት ክርስቶስ ከም እተኻፈልና ዝሕብር ምልክት" ከምኡውን "ምኡዝ ሽታ ናይ ምድሓንን ህላወኡ ኣብዛ ዓለምና ንምዝርጋሕን ዘሎና ተልእኾ" ከም እተቐብኣና ገለጹ።

ቅብኣት ምኡዝ ሽታ ከም ዝህልወና ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም ከምዚ በሉ - "ብቕብኣቱ ተሓጒሱ ዝነብር ሰብ ንቤተ-ክርስትያን ንማሕበረሰብን ከምኡውን ንስድራቤቱን በዚ መንፈሳዊ ቕዱይ ቅብኢ እዚ 'ምዑዝ ጨና' የቕርበሎም ኢዩ።"

ሓጢኣት ካብ ክርስቶስ የርሕቐና

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሓድሓደ ግዜ ክርስትያን ምእመናን ነቲ ሕማቕ ሽታ ሓጢኣቶም ደኣ እምበር ምኡዝ ሽታ ክርስቶስ ከም ዘይዝርግሑ ንፈልጥ ኢና" ኢሎም ኣጠንቀቑ።

"ሓጢኣት ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዜርሕቐና፣ ሓጢኣት ከኣ ናብ ክፉእ ዘይቲ ኸም ዚቐይረና ፈጺምና ኣይንረስዕ" ብምባል ብዛዕባ ምትላል ድያብሎስ ውን ኣጠንቀቑ።

ሓጐስን ውርዝናን ስዓብ

ኣብ ክንድኡስ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ምእመናን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ  መልእኽቱ ዝጠቐሶ ዓይነት ሰብ ክዀኑ ኣተባብዕዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኵሉ ሰብ ነቲ ብመንፈስ ጐይታ እተቐባእናሉ ቅብኢ ብዝያዳ ኺፈልጦን ሓይሊ ክህበናን ብምዕዳም ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።

21 August 2024, 16:01