ድለ

ር. ሊ. ጳ.፡ ነቲ ኻብ ክርስቶስ ዝመጸ ሰላም ከተማልደና ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸዊዖም

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ ቡራኬ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ንምኽባር ናብታ ባዚሊካ ፍሉይ ምብጻሕ ኣካዪዶም፣ ነታ ብውግእ እትዓኑ ዘላ ዓለም ሰላም ክትረክብ ድማ ጸለዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመት ዓመት ኣብቲ ዝኽሪ ቡራኬ እዚ ባዚሊካ ዝኸብረሉ ዕለት ብኣሽሓት ዝቝጸር ጻዕዳ ዕምባባታት ካብቲ ሰንቀ ናይቲ ቤተመቕደስ ክወድቕ ከሎ ምርኣይ ሓደ ዘደንቕ ጽምብል ኮይኑ ርትከብ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናይቲ ባዚሊካ ዝተሓንጸሉ ተኣምራዊ ምውራድ ውርጪ ኣብ መርሑ ነሓሰ ዘመልክት ኢዩ።

ብዕለት 4-5 ነሓሰ 358 ዓ.ም. ምሸት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነብሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ላይበርዮስን ከምኡ ውን ነቶም መንፈሳውያን ሮማውያን ሰብኣይን ሰበይትን ኣብቲ ብርቱዕ ሓሩር ክረምቲ ሮማ ተኣምራዊ ውርጪ ክወርድ ዚረኣየሉ ቦታ ቤተ-ክርስትያን ክትህነጹ ከም ዝሓተቶም ዝዝከረሉ ዕለት ኢዩ። ንጽብሒቱ ንግሆ ኣብቲ እዚ ቤተ ተሓኒጻትሉ ዘላ ቦታ ሓድሽ ዝወረደ ውርጪ ብንጹር ተራእዮም።

ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ነሓሰ 352 ዓ.ም. ዝወረደ ውርጪ

ትውፊት ከም ዘመልክቶ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ብርቱዕ ሃሩር ነሓሰ 352 ዓ.ም. ኣብ ኵርባ ኢስኲሊን ውርጪ ከም ዘውረደት እዩ ዚገልጽ።

ሓደ ሮማዊ ካብ ንጉሣዊ ስድራቤት ምስ በዓልቲ ቤቱ፣ ወራሲ ዝኾኖም ውሉድ ስለዘይ ነበሮም፣ ንዝነበሮም ሃብትን ጥሪትን ብኸመይ ከም ዘመሓድርዎ ንኽገልጸሎም ናብ ኣምላኽ ጸለዩ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ እቲ ካብ ንጉሣዊ ስድራቤት ዝኾነ ሰብኣይን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊበርዩስን ዝሓልምዎ ሕልሚ፣ ኣብ ታባ ኢስኲሊን ኣብ ዚርከብ ቦታ ቤተ-ክርስትያን ክሃንጹላ ከም እትደሊ ገለጸትሎም።

ኣብቲ ግዜ እቲ ብርቱዕ ሃሩር ሓጋይ እኳ እንተ ነበረ፣ ብ5 ነሓሰ 352 ግን ቕኑዕ ርቡዕ ኵርናዕ ዝቕርጹ ውርጪ ከም ዝወረደን ቀልጢፉ ከም ዘይመኸኸን ይዝንቶ።

ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ድማ ኣብቲ ቦታ እቲ ተሃንጸ ብ354 ዓ.ም. ድማ ተዛዘመ ።

ሎም ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሥርዓተ ዋዜማ ናይዚ ክብረበዓል ህንጸተ ቤታ ንምስታፍ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ምብጻሕ ኣካዪዶም።

ምልክት ጸጋ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም ነቲ ንጽባቐኡን ትርኢቱን ከም ምልክት ጸጋ ገይሮም ዝገለጽዎ ተኣምራዊ ውርጪ "ዜደንቕ" ከምኡውን "መስተንክር" ምንባሩ ኣጕልሐ። "ጸጋ ይትረፍዶ ኺዕደግሲ ዝግብኣና ኣይኮነን፣ ከም ህያብ ጥራይ ኢና ክንቅበሎ እንኽእል" በሉ ። ስለዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ማእከል ክረምቲ ኣብ ሮማ ዝወረደ ውርጪ ትጽቢት ዘይግበረሉ ነገር እዩ።"

በዚ ኣረኣእያ እዚ ኸኣ ነቲ ምስ እዛ ቤተ-መቕደስ እዚኣ እተተሓሓዘ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ "ምልክት" ማለት ስእሊ እኖና ድንግል ማርያም "ድሕነት ሮማውያን " ቢልና እንጽዓ ብምግንዛብ ክንርድኦ ዝከኣል እዩ።

ኣብዚ ስእለ ድንግል ማርያምን እቲ ህጻንን ጸጋ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፣ "ንዅሉ እቲ ኣብ ዙርያ ሃይማኖታዊ ኽቢ ዘሎ ጽውጽዋያትን ስሒርን መናፍታዊ መግለጺታትን እተቐንጠጠሊ ብጭቡጥ መገዲ" ንጸጋ ከም ዝገልጸልና ኣመልከቱ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኣብዛ ኣይቆና እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ማለት እታ ሰበይትን እቲ ወዳን ጥራይ ኢና እንርኢ - ማርያም ቅድሚ ዅሉ መዋእላት እተመርጸት ከምቲ ሓድሽ ዝወረድ ውርጪ ብንጽሕና እተረኽበት ኢያ፣ እቲ "ብዘሎ ምልኣተ መለኮት ድማ በይኑ" ኣብቲ ውዳ ኢዩ ዝርከብ።

ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ምጽዋዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "ስለዚ ኸኣ ኢዮም እቶም ምእመናን ነታ ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ በረኸት ኣማላድነታ ክልምኑ ዝመጹ፣ ከመይሲ ንሳ ናይቲ ብተግባር መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝውሕዝ ጸጋ መተሓላለፊት (መስኖ) ጸጋ ኢያ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ እተገብረ ሥርዓተ ዋዜማ እተረኽቡ ምእመናን ቅድሚ እታ ቅድስቲ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ንምብዓል ናብ ሮሜ ዚመጹ ብዙሓት ነጋድያን "ጸያሄ ፍኖት" ኸም ዝዀኑ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንሮማን ንመላእ ዓለምን ሰላም ምእንቲ ክትማለድ እዩ። እቶም ነጋድያን ንድንግል ማርያም ነቲ ካብ "ንስሓን ምሕረት ዝረኸበ ልብን፣ ነቲ ካብ መስቀል ክርስቶስ ዝውሕዝ ሰላምን ከምኡውን ካብቲ ኻብ ማርያም ወሲዱ ምእንቲ ሕድገት ሓጢኣት  ዘፍሰሶ ደሙ" ጥራይ ዝርከብ ናይ ሓቀይና ሰላም ንምርካብ ከተማልደሎም ይጽውዕዋ ኢዮም።

'ኦ ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ ለምንልና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ቃላት ቅዱስ ቄርሎስ ዘ እስክንድርያ ብምጥቃስ ድማ  "ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም፣ ድንግል ኣደ ኣምላኽ፣ ኦ ጸዋሪት ብርሃን፣ ዘይትበላሾ መሳርሒት ሰላም ንዓኺ ። ሰላም ንዓኺ ኦ ድንግል ማርያም፣ ኣደን ገረድን፣ ምእንቲ እቲ ኻባኺ እተወልደ ድንግል ዝኾንኪ፣ ምእንቲ እቲ ዝሓቘፍኪዮ ኣደ ዝኾንኪ . . . ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም፣ ንስኺ ኣብ ብዘላ ዓለም ካብ ኵሉ ዝኸበርኪ ፍጥረት ኢኺ . . .  [ንስኺ] ዘትጠፍእ መብራህቲ ኢኺ፣  ካባኻትኩምሲ እቲ ጸሓየ ጽድቂ ተወልደ።’ ኦ ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ ለምንልና  ለምንልና" ቢሎም ብምጽላይ ስብከቶም ዛዘሙ።

06 August 2024, 18:40