ር. ሊ. ጳ. ምስ መራሕቲ ውድባትዊ ማሕበረሰብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተራኺቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዕላማ ናይቲ እቲ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 28 ነሓሰ ኣብ መንጎ መራሕቲ እተውድባዊ ማሕበረሰባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ማሕበር ኢንዱስትሪያዊ ዞባታት ምዕራብን/ደቡባዊ ምዕራብን ምስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቤተ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ እተገብረ ኣኼባ “ንቅዱስነትም ብዛዕባ እተገብሩ ምዕባሌታት ንምግላጽን ብዛዕባ ዝቅጽሉ መደባት እቲ ማሕበሮም ድማ ምኽሪ ንምሕታትን” ኢዩ ዝነበረ።
ኣስታት 20 ዚዀኑ መራሕቲ እንተላይ ካህናትን ተራ ምእመናንን ነዚ RECOR እተሰምየ መርበብዊ ማሕበር ውድባቶም ንርእሰ ሊቃና ጳጳስት ኣቅረቡሎም ። እዚ መርበብ እዚ ብካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝስነት ዀይኑ "ብወንጌል ዝመቀረ ናብራ" (FT, 1) ንዝብል ዕላማ ንምርግጋጽ ንሕብረተሰብኣዊ ኣስተምህሮት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምትግባር መሪሕ ግደ ኺህልዎ እዩ ዚጽዕር።
ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብ
ኣብቲ ኣኼባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም መራሕቲ "ህዝብና ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ" ድልድል ክሃንጹ ኣተባብዕዎም ክብሉ መዓድዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን ህዝቢ ገዛእ ርእሱ ንምውዳብ ዘለዎ ተኽእሎ ዘለዎም ሞሳ ገለሱሎም። እዚ ድማ ንሃብቲ ህዝቢ ኣብ ምውዳብ እተመርኰሰ እዩ ። ብመሰረት እቲ ኣብ ምዕራባውን ደቡባዊ ምዕራባውን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ምርኻቦም፣ ነቲ ፖለቲካ እቲ ዝበለጸ መግለጺ ግብረ - ሰናይ ኢዩ፣ ዝበል ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝመስከርዎ ቓላት እውን ከም ዘዘኻኸርዎም ይምስክሩ ።
ኣብ ሳን ኣንቶንዮ ቴክሳስ እትነብር ማሪያ ጓዳሉፔ ቫልደዝ ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንቕድሚት ክንስጕምን ስጕምቲ ኽንወስድን ከምኡውን ዘይምግዳስ ክንቅጽል ኣተባቢዑና እዩ " በለት ።
ኣባል እቲ ኣብ ምዕራብ/ደቡዊምዕራብ ዚርከብ ትካል ኢንዱስትሪ ዝዀነት ኤሊዛቤት ቫልደዝ እውን ብወገና እቲ መርበብ "ብኣብያተ-ክርስትያንን ማሕበራትን መናብርተ ጥበብን ካልኦት ውድባትን ዝቘመ ዀይኑ መብዛሕትኦም ካቶሊካውያን ምስ ኣብያተ-ክርስትያን ፕሮተስታንትን ምኵራባት ኣይሁድን መሰፊዳትን ተሳትፎ ይገብሩ እዮም" በለት።
ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ተወከልቲ ማሕበር ኢንዱስትርያዊ ዞባታት—ምዕራብን/ደቡባዊ ምዕራብን— ምስ ኤሚልስ ኩዳ ዝተባህለ ጸሓፊ ኮሚሽን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ (PCAL) ተራኺቦም፣ ኣብ መንጎ ደቡብን ሰሜንን ኣመሪካ ድልድላት ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ስልትታት ብምትኳር ነዚ ድልድላት እዚ ብኸመይ ከም ዝሃንጽዎ ዘተኾረ ዘተ ኣካዪዶም።
ናብ RECOR ዚወስድ መገዲ
ኣቅላስያዊ መርበብ ውድባዊ ማሕበራት RECOR ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ኢዩ ተወሊዱ፣ እዚ ድማ "ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ንፍቀ -ኽቢ ኣመሪካ ዘሎ ናይ ተመኵሮታትን ርድኢታትን ከምኡ ውን ክእለታት ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ዘለዎ" ሕብረት ኢዩ።
መበቈል እዚ መርበብ ማሕበራት እዚ ብ2021 ዝጀመረ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ሥነ-ትምህርታዊ ኮሚሽን ትካል ኢንዱስትሪ ዞባታት—ምዕራብን/ደቡባዊ ምዕራብን (IAF, USA) ንመጀመርታ ግዜ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ሮማ ተራኸቡ። ደድሕሪ እዚ ኣኼባ እዚ ብፁዕ ኣቡነ ካንቱ ብዓል ሳን ጆሰ ካሊፎርንያ ከምኡውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዝሃብዎ ርእይቶ መሰረት ምስ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ (PCAL) ተራኺቦም።
እዚ መርበብ ማሕበራትን ከምኡውን ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካን ድሕሪ ነዊሕ ብመስመር ኢንተርነትን ብኣካልን ዘካየድዎ ኣኼባታት፣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነትን ደገፍን ቅዱስ ኣቦና ተመስሪቶም ሓድሽ ድልድል ናይ ውድባዊ ማሕበረሰብ ክሃንጹ ጀመሩ።
ናይዚ መርትዖ እዚ ድማ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2022 ናብዚ መርበብ ውድባዊ ማሕበራት IAF ዝለኣኽዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲን ከምኡውን ብ2022 ከምኡውን 2023 ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሮማ እተገብረ ኽልተ ኣኼባታት ኢዩ ዝነበረ ።
ናይ መጀመርታ ስጕምትታት RECOR
ኣብ ሰሜንን ደቡብን ክፍለ-ዓለም ኣመሪካ ብዛዕባ ዅነታት እቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ስደተኛታት ዘጋጠሞም ሓባራዊ ብድሆ መልሲ ንምሃብ ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ጠቕላሊ ጸሓፊ ከምኡውን ክፍሊ ፍትሕን ሰላምን ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ውጽኢት ናይዚ RECOR (ኣቅላስያዊ መርበብ ውድባውያን ማሕበራት) ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ተወልደ ።
ብድሕሪ እዚ ናይቲ "ፖለቲካን ትምህርትታትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ" ብዝብል ኣርእስቲ በዚ መርበብ ውድባውያን ማሕበራት እተወደበ ሰሚናር ካብ ዕለት 19-20 ለካቲት 2024 ኣብ ሳን ኣንቶንዮ ቴክሳስ ናይ መጀመርታ ናይ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ጉባኤ ኣካዪዱ።
እቲ ኻልኣይ ናይ ብሕታዊ ዕጹው ጉባኤ ድማ ካብ ዕለት 4-10 ነሓሰ 2024 ኣትሒዙ ኣብ ቦናስ ኣይረስ ተገብረ፣ ኣብኡ ድማ መራሕቲ ምዕራባዊ ኣፍሪቃን ደቡብ ምዕራብን ነቶም ዓቢይ ስድራቤት ናይ ቤተ ክርስቶስ ዝተሰምዩ ዝዓደምዎም ኣብ ኣርጀንቲና ዝርከቡ ኣባልት እዚ ውድባዊ ማሕበረሰብ ምብጻሕ ኣካየዱ።
ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ድልድል ምህናጽ
ኣብ ሃዋህ ናይዚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ሓድሽ ኣኼባ እዚ ውድባዊ ማሕበር ናብ ኣብያተ-ጽሕፈት ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ በጽሑ፣ ከመይሲ እዚ ሓድሽ መርበባዊ ምሕበረሰብ በቲ ድልድል ናይ ምህናጽ ተበግሶታት ፒካል-ሉክ ዝድገፍ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብብሕቲ ተሳትፎ ብምግባር ኣብ መላእ ኣመሪካ ንዝርከቡ ተማሃሮ ናይ መናብረተ ጥበብ ድልድል ብምህናጽ ዝጀመረ ተበግሶ፣ ሕጂ ኣብ መንጎ እተወደቡ ማሕበረሰባት ካልኣይ ድልድል ኣብ ምህናጽ ይተሓባበር ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ኽፍለ-ዓለም ምትእስሳር ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ። ኣብ 2025 ክልተ ሓደስቲ ኣኼባታት ክካየድ ውን ተመዲቡ ኣሎ - እቲ ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ኣውሮጳ ክካየድ ኢዩ ።
ውድባዊ ማሕበረሰብ እንታይ ማለት ኢዩ ?
ውድባዊ ማሕበረሰብ ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ማሕበረሰብ ኮይኖም ብማሕበራት ብምውዳብ ከም ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝኣመሰለ መዋቕር ዘለዎም ማለት፡- ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ዀነ ስደተይናታት ዝኣመሰሉ ኢዮም። መላእ ማሕበረሰቦም ብካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝምርሑ ኰይኖም "ብወንጌል ዝመቀረ ኣነባብራ" (FT, 1) ንዝብል ዕላማ ንምቛምን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ተበግሶ ዝወሰዱ ኢዮም።
ብፖለቲካዊ ሰልፊ ብቝጠባዊ ዓውድታት ወይ ብስነ-ትምህርታውን ውጥናት ዝምራሕ ህቡብ ማሕበራት ኣይኰኑን ካብ ዘይመንግስታውያን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ውን ደገፍ ክወሃበን ንምሕታት እተውደቡ ውን ኣይኮኑን ።
ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ኣኃው ኩልነ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝገለስዎ፣ እዘን ማሕበራት እዚኣተን "ካብ ባይታ ተበጊሰን" እተመስረታ ማሕበረሰብ ከተማታት ኢያተን።
እዞም ማሕበረሰብ እዚኣቶም ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት ማሕበረሰብኣዊ ኣስተምህሮት ቤተ-ክርስትያን "ንተስፋ ዝዓዩ" ኢዮም፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ምስ ማሕበራዊ ውሕስነት እተተሓሓዘ እሩም ስርሓት ምስልሳል፣ ከም ጽሩይ ማይ መንበሪ ኣባይቲ ጽባቐ ኸተማ ስፖርት ህዝባዊ ጥዕና ከምኡውን ትምህርቲ ዝኣመሰለ ሃብቲ ንምርካብ ዘሎ ኣጋጣሚ፣ ከም ኣብያተ-መጻሕፍትን ባህላዊ ማእከላትን ክበባትን ዝኣመሰለ እተወደበ ናይ ሓድነት ህንጻታት፣ ከምኡውን ብመራሕቶም ዝመሓደር ናይ ሓገዛት ህንጻታት ብምህናጽ ሓላፍነቶምን ግዴታታቶምን ንምፍጻም ምስ ሃገራውን ኣህጉራውን መንግስታት ይጕዓዙ ዘለዉ ማሕበራት ኢያቶም።
ውጽኢታዊ መግለጺ ሥርዓተ ረድኤት
ብኻልእ ኣበሃህላ ውድባውያን ምሕበራት ነቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲአይን ኣብ ተሳትፎ ደገፍ ናይ ምሃብ መሰረታዊ ስርዓት ከም ቀንዲ ስርዓተ ፖለቲካን ኣቅላስያዊ ጕዳይ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።
ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኲሪዳ ኣማዞንያ ዝገለጽዎ ካብ ማሕበራዊ ትምህርትታት ድማ እተፈልየ "ህይወት ካብ ሰገነት እናሓለወ" ዝህነጽ ዘይኮነስ ጭቡጥ መንገዲ ነቲ ቅርጻ መዋቕራዊ ስርዓታት ዝጻረር ኢዩ።
ውድባዊ ምሕበረሰብ ከተማታት፣ ንማሕበረሰብን ንሰባትን ንምድርን ንምክንኻን ምስ ጳጳሳትን ህዝባዊ ፖሊሲታትን ገንዘባዊ ፖሊሲታትን ተተሓሒዙ ምስታ ሃገር ንምዝርራብ ክውደባ ኸለዋ ሓባራዊ ድሕነት ንምርካብ ብዝግበር ውሳነ ድማ ኢየን ዝምርሓ ።