2019.06.11 Messa Santa Marta, Papa Francesco incontra Dale Recinella e sua moglie Susan 2019.06.11 Messa Santa Marta, Papa Francesco incontra Dale Recinella e sua moglie Susan  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ናይ ሞት ፍርዲ ፍትሒ ኣየምጽእን እዩ፣ የግዳስ ንሕብረተሰብ ኢዩ ዝምርዝ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይታ ብዕለት 27 ነሓሰ ብቤት ማሕተም ቫቲካን እተሓትመት ዴል ረሲኔላ ዘዳለዋ "ሓደ ክርስትያን ኣብ መስርዕ ሞት - ተጸምዶይ ነቶም ንሞት እተፈርዱ ምግልጋል ኢዩ" ዘርስታ ሓዳስ መቅድም ጽሒፎም ። እቲ ናይ ዎል ስትሪት ጠበቓ ነበር፣ ወዲ 72 ዓመት ኣቦ ካብ 1998 ኣትሒዙ ምስ ሱዛን ሰበይቱ ዀይኑ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ-ማእሰርቲ ፍሎሪዳ ነቶም ንሞት እተፈርዱ እሱራት ብመንፈሳዊ መዳይ ከሰንዮም ዝጸንሐ እዩ።

ትርጉም፡ ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ወንጌል ምስ ሓደ ህይወት ዚቕይር ህያው ዝኾነ ኣካል እተራኸበሉ ኣጋጣሚ እዩ ፣ ኢየሱስ ንመደባትናን ትምኒታትናን ኣረኣእያናን ኪቕይር ይኽእል እዩ ። ንዕኡ ምፍላጥ ክበሃል ከሎ ንህይወትና ብትርጕም ብዘለዎ ኩነት ምምላእ ማለት ኢዩ፣ ከመይሲ ጐይታ ፈጺሙ ዘይሃስስ ሓጐስ ኢዩ ዝህበና፣ ከመይሲ ንሱ ናይ ኣምላኽ ሓጐስ ክንዲ ዝኾነ ።

ታሪኽ ናይዚ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝረኸብክዎ ዴል ረሲኔላ በቲ ኣብ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ  እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝጸሓፎ ዓንቀጻት ኣጸቢቑ ኽፈልጦ ከኣልኩ፣ ሕጂ ኸኣ በዚ ዓሚቝ ልቢ ዝትንክፍ ዝጸሓፎ መጽሓፍ እዚ ኣቢለ ነቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ዘረጋግጽ ኢዩ - ሓደ ንመጻኢኡ ዝኸውን ፍሉይ ሸቶታት ዘለዎ ግን ከአ ከም ተራ ዓለማዊ ምእመን ኣቦ ስድራ ኣገልጋሊ ናይቶም ንሞት እተፈርዱ ኮይኑ ክትረኽቦ ብኸመይ ክትርድኦ ይከኣል?

እዚ ዝበለ ተልእኾ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ግዳያት ዝፍጸም እከይ፣ ነቲ እተዀነነ ሰብ ብርግጽ ሞት ከም ዝተፈርዶ እናፈለጠ ብህይወት ይነብር ዘሎ፣ እቲ ብሞት ናይ ምቕጻዕ ተግባር ኣቢሉ ኣብ ሕብረተሰብ ዝሰርጽ እከይ ዝትንክፍ ከም ምዃኑ እዚ ናይዚ ሰብኣይ ተለኾ በሓቂ ከቢፍን ሓደገይናን ፍሉይ ዝኾነ ተልእኾን ኢዩ። እወ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝብሎ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ነቲ ንንጹሃት ሰባት ክወርዶም ዝኽእል ዓመጻ ፈጺሙ መፍትሔ ክኸውን ኣይክእል ኢዩ። ፍርዲ ሞት ፍትሒ ኣብ ክንዲ ዘምጽእ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት ኢዩ ዘለዓዕል፣ እዚ ድማ ንኣካላት ሲቪላዊ ማሕበረሰብና ሓደገኛ መርዚ ኢዩ ዝኸውን ። መንግስትታት ነቶም ሞት እተፈርዶም ከም ሓደ ብሒወት ክነብር ዘይበቕዕን ከም ህይወት ዘይግብኦን ጌሮም ንመቕተልቶም ዝኸውን ገንዘብን ጥሪትን ኣብ ክንዲ ዜውፍዩ፣ ህይወቶም ብሓቂ ንኪቕይሩ ኣጋጣሚ ኣብ ምሃብ ኬተኵሩ ኣለዎም ።  ፊዮዶር ዶስቲዮቭስኪ ኣብታ “The Idiot” ዘርእስታ ልብ ወለዳዊት መጽሓፉ ብዛዕባ ሓደ ንሞት እተፈርዶ ሰብ ከምዚ ብምባል ብምግላጽ ርትዓውን ስነ-ምግባራውን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘይሓልፎ ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ - "ንነፍሲ ሰብ ምጥሓስ ኢዩ፣ ካብዚ ንላዕሊ ክበሃል ዝከኣል ውን የልቦን! 'ኣይትቕተል' ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፣ ንሱ ስለ ዝቐተለ ግና ካልኦት ይቐትልዎ። ኣይፋሉን! የግዳስ እዚ ኪህሉ ዘይግባእ ነገር እዩ።" እወ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ዅሎም ምእመናን ብሓባር ኰይኖም ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኽስረዝ ክሓትቱ ኣለዎም፣ እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ከምቲ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝበሎ "ኣብ ለዕሊ እቲ ክትንከፍ ዘይግባእ ህይወትን ክብርን ናይቲ ሰብ መጥቃዕቲ ክንዲ ዝዀነ ተቐባልነት የብሉን!" (n. 2267)።

ሓዳስ መጽሓፍ ብዴላ
ሓዳስ መጽሓፍ ብዴላ

ኣብ ርእሲ እዚውን ዴል ራሲኔላ ነቲ ሱዛን በዓልቲ ቤቱ ኣብታ መጽሓፉ ዘንጸባረቐቶ ዓብዪ ኣበርክቶ ስለ ዘይረስዐ፣ ነቲ ዴል ዚነብረሉን ዚሰርሓሉን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብን ዓብዪ ውህበት እዩ። ከም ተራ ኣገልጋሊ መጠን ዝገበሮ ቘራጽነት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ኸም ናይ ሞት ፍርዲ ዝኣመሰለ ኢሰብኣዊ ቦታ፣ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ህያውን ስምዒት ዘለዓዕልን ምስክርነት እዩ ። ከምቲ እታ ፍልይቲ ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ዝመሃረትና ካብ ጐይታ ንሓዋሩ ዜርሕቐና ሓጢኣት ጌጋ ወይ ተግባር ኪህሉ ኸም ዚኽእል ፈጺምና ኽንሓስብ የብልናን ። ልቡ ድሮ ኣብ ክንዳና ተሰቒሉ ኢዩ ። ኣምላኽ ከኣ ይቕረ ጥራይ እዩ ኺብለልና ዚኽእል ።

እዚ መወዳእታ ዘይብሉ መለኮታዊ ምሕረት እዚ ከምቲ ኣብ ምድራዊ ጕዕዞ ኢየሱስ ምስ ሓጥኣንን ኣመንዝራታትን ኣብ ዝበልዐሉ እዋን ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣብኣኡ እተዓንቀፉ ዝዓንቅፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓው ዴል እውን ብሰንኪ እቲ ንሞት ነተፈርዱ ሰባት መንፈሳዊ ተጸምዶ ዝነበሮ ነቐፌታን ተቓውሞን ምንጻግን የጋጥሞ እዩ። እንተዀነ ግን ኢየሱስ ንሓደ ሞት እተፈርዶ ሰራቒ ሓንጐፋይ ኢሉ ምቕባሉስ ሓቂዶ ኣይኮነን? ዴል ራሲኔላ ድርኵዂት ቤት ማእሰርቲ ኺሰግር ከሎ ብፍላይ ከኣ ነታ "ቤት ሞት " ኢሉ ዚጽውዓ ቤት ማእሰርቲ፣ ኣብኣ ፍቕሪ ኣምላኽ ደረት ዘይብላን ማእለያ ዘይብላን ምዃና ብሓቂ ተረዲእዎን መስኪሩን እዩ ። እቲ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ሓጢኣትና እውን እንተ ዀነ ንመንነትና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ከም ዘየበላሽዎ ማለት ደቁ ብእኡ ኸም እንፍቀር ከም ዝከናኸነና ከምኡውን ብእኡ ኸም እንኽበር እዩ ዚገብረና ።

ስለዚ ንዴል ራሲኔላ ልባዊ ምስጋናይ ኸቕርበሉ እፈቱ - እቲ ኣብ ናይ ሞት ፍርዲ ከም ኣገልጋሊ ዀይኑ ዝዓየዮ ዕዮ ነቲ ኣብ ወንጌል ኢየሱስ ዘሎ ዓሚቝ ሓቂ ጠቢቑ ስለ ዝሰዓቦ ኢዩ፣ እዚ ድማ ምሕረት ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እንተላይ ነቶም እተጋገዩ ብዘይ ቅድመ ዅነትን ጽኑዕን ፍቕሩ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ብፍቕሪ ተደሪኾም ኣብ ህይወቶምን ኣብ ግዜ ሞቶምን ሓድሽ ትርጕም ይረኽቡ ኢዮም ።

19 August 2024, 17:50