ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ሃገረ ማላዊ ተቐቢሎም ኣዘራረቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሰኑይ ዕለት 19 ነሓሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊክካዊት ሃገረ ማላዊ ላዛሩስ ማካርቲ ቻክቬራ ኣብ ሓወርያዊ ሕንጻ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም። ላዛሩስ ማካርቲ ቻክቬራ ምስ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባትን መንግስታውያንን ኣህጉራውያን ውድባትን ኰይኑ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ውን ተራኺቡ።
ብመሰረት እቲ ኻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተዋህበ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተገብረ ዘተ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ማላዊ "ኣብ መንጎ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያንን ሃገረ ማላዊን ዘሎ ጽቡቕ ርክብ" ከምኡ ውን ኣብ እተፈላለየ መዳያት ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ኵነታት ማላዊ "ብፍላይ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓውዲ ኽንክን ጥዕናን ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን ዘሎ ምትሕብባር" ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ።
"ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ብዛዕባ ኣከባብያውን ኣህጉራውን ጕዳያት ናይ ርእይቶ ምልውዋጥን ቀጸሊ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘተ ንምስፍሕፋሕን ዕርቅን ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣጕልሑ።"
ምልውዋጥ ህያባት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ርእሰ ብሔር ሃገረ ማላዊን ከምቲ ወትሩ ዝግበር ልምዲ ብምኽታል ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ዘለዎም ህያባት ውን ተለዋዊጦም ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፕረዚደንት ቻክቬራ ምውዝዋዝ ኽልተ ኣእዳው ዜርኢ ናይ ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ህጻንን ከምኡ ውን ናይ ስደተይናታት መርከብ “ነእዳውና በእዳው ካልኦት ንምላእ!” ዝብል ዝተጻሕሮ ከም ድሕረ ባይታ ድማ ናይ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣዕኑድ ዘርኢ ብነሓስ እተሰርሐ ስነጥበባዊ ስርሓት ኣቕረቡሉ ።
ከምኡ ውን ቅዳሕ ንሰላም ዚምልከት መልእኽትታት 2024 ዓ.ም. ከምኡውን ቅዳሕ ናይታ ብ2020 ብቤት ማሕተም ቫቲካን እተሓትመት "Statio Orbis" እተሰምየት ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ኮቪድ ንበይኖም ስግደት ቅዱስ ቁርባን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዘካየድዎ ብስዕላዊ መግለጺ ዘዘንቱ መጽሓፍ ከም ህያብ ኣቕረቡሉ።
ርእሰ ብሔር ቻክቬራ እውን ብወገኑ ንቅዱስ ኣቦና ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ካርታ ሃገረ ማላዊ ኣቕረበሎም፣ እዚ ካርታ እዚ በቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰብ ኢደጥበብ እተሰርሐን ነተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ቐንዲ ኸተማታትን እንስሳታትን ዜርኢ እዩ።