ር. ሊ. ጳ.፦ እዞም ሓደስቲ ብፁዓን እዚኣቶም ኣብነት ዕርቅን ሰላምን ይኹኑና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰንበት ኣብ መደምደምታ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ከም ዝገለጽዎ እቶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብፅዕናኦም እተኣወጀ ኣርባዕተ ካህናት ሰማእት ምዃኖም "ንጐይታን ንኣሕዋትን ዘሕለፍዎ ህይወት ብሉጽ ዓወት ኢዩ በሉ ።
ብፁዕ ኣብ ሉዊጂ ካራራን፣ ብፁዕ ሓው ቪቶርዮ ፋቺንን ኣባላት ማሕበር ኻቨርያውያን ብዕለት 28 ሕዳር 1964 ኣብ ባራካ በቶም ኣብ ዕልወት ክዊሉ እተሳተፉ ወተሃደራት ሰማእታት ኰኑ። ጸኒሖም በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ዓለወኛታት ናብ ከተማ ፊዚ ገዓዙ፣ ኣብኡ ውን ኣባላት ማሕበር ኻቨርያውያን ንዝኾኑ ንብፁዕ ኣባ ጆቫኒን ንብጻዮም ብፁዕ ኣባ ኣቢ ኣልበርት ጆበርት ኣብ ኮንጎ እተወልደ ፈረንሳዊ ካህን ቀተልዎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብፅዕናኦም እተኣወጀሉ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም "ኣብነቶምን ኣማላድነቶምን ንረብሓ ህዝቢ ኮንጎ መገዲ ዕርቅን ሰላምን ኬስፍን ይኽእል እዩ" ክብሉ ጸለዩ።
ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ዘበለ መገዲ ሰላም ይከፈት
ቅዱስ ኣቦና "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ፍልስጥኤምን እስራኤልን መገዲ ሰላም ክኽፈት" ቀጻሊ ጸሎት ክግበር ተማሕጸኑ፣ ኣብ ዩክረይን ምያንማር ከምኡውን ኣብ ኵሉ ዞባታት ውግእ ስቓይ ይወርድ ኣሎ።"
ከምዚ ዝኣመሰለ ናብ ሰላም ዝመርሕ መገድታት "ንምይይጥን ዘተን ቈራጽነት ምግባር ከምኡውን ካብ ዓመጽ ዝመልኦ ተግባራትን ሕነ ምፍዳይን ምኽልከል" ከሰንዮ እውን ጸለዩ።
'ወንጌል ብሓጐስ መስክሩላ'
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ሮሜን ካብ መላእ ዓለምን ዝመጹ ነጋድንን በጻሕትን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብን ቡራኬኦም ምስ ኣካፈሉን፣ ነተን ኣብ ንግደት ናይቲ ኣብ ፒካሪሽ ስሎስኬ ፖላንድ ዚርከብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዚሳተፋ ኣዴታትን መንእሰያት ደቂኣንስትዮን ፍሉይ ሰላምታ ኣመሓላለፉለን።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ ስድራ ቤቶምን ኣብ ሕብረተሰብን ብዛዕባ ወንጌል ብሓጐስ ምስክርነት ከካፍላ ድማ አተባብዕዐን" ኣሎኹ በሉ።