Aftermath of Israeli strikes in Deir Al-Balah in the central Gaza Strip Aftermath of Israeli strikes in Deir Al-Balah in the central Gaza Strip  (REUTERS)

ር. ሊ. ጳ. ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭታት ንምጥፋእ ምእንቲ ሰላም ጸልዮም

ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝቕስል ዘሎ ውግእ ደው ኬብልዎ ምሕጽንታ ኣቕረቡ፣ ኣብ ዩክረይንን ምያንማርን ሱዳንን ሰላም ክሰፍን ድማ ጸልዮም፣ ነቲ ኣብ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ዚርአ ዘሎ ዓሌታዊ ምፍልላይ ደው ንምባል ከኣ ዝያዳ ጻዕርን ጸሎትን ኪግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደድሕሪ ናይ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ "ሰላም ንምርካብ ዚግበር ልባዊ ጻዕሪ ክቕጽልን ግጭታት ኬጥፍእ፣ ፍቕሪ ንጽልኢ ኸተሰንፎ፣ ሕነ ምፍዳይ ድማ ብሕድገት ሓጢኣት ኪዕጠቕ እጽሊ ኣሎኹ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታት "ብዓብዪ ሻቕሎት" ይስዕብዎ ኸም ዘለው ብምግላጽ ካብ ቃዛ ኣትሒዞ ንኹሉ እቲ ሰብኣዊ ሃለዋት ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከበለኡ ከባቢታት ብህጹጽ ውግእ ደው ንምባል ዘቕረብዎ ልመና ደጊሞምዎ ይርከቡ ።

ኣብ ዩክረይን ምያንማር ሱዳን ሰላም ንኽሰፍን ጸልዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኽረምታዊ "ዕረፍቲ" ወርሒ ሓምለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዘካየድዎ ናይ መጅመርታ ሓፈሻዊ ኣስተምህተ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ኣብቲ ምእንቲ እቶም "ብውግእ ዝዓንዉ ዝለዉ ሕዝብታት ዩክረይንን ምያንማርን ከምኡውን ሱዳን" ኣብ ዘዕርግዎ ጸሎታት ምስ ቅዱስነቶም ክሓፍሩ ተማሕጸንዎም።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ወይ ቈሲሎም እዮም፣ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከኣ ካብቲ ብ2014 ኣብ ክሪምያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ውግእ እተኸስተሉ እዋን ኣትሒዞም ካብ ሃገሮም ዩክረይን እተመዛበሉ ብዙሓት ኢዮም።

ኣብ ለካቲት 2021 ታትማዳው (ወተሃደራት እታ ሃገር) ነቲ ብዲሞክራስያዊ መገዲ እተመርጸ መንግስቲ ምስ ሰዓሩ፣ ኣብ ምያንማር ውግእ ሓድሕድ ተባሪዑ ኣሎ ። ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ውግእ እንተ ወሓደ 50,000 ሰባት እንተላይ 8,000 ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም ይርከቡ ፣ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ሰባት ከኣ ተመዛቢሎም ኣለዉ ።

ኣብ ሱዳን ከኣ ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ሓይልታት ዝግበር ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ይቕጽል ኣሎ፣ ኣብቲ ውግእ ድማ እንተ ወሓደ ካብ 13,000 ክሳዕ 15,000 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ፣ ልዕሊ 33,000 ድማ ቈሲሎም ይርከቡ ። ኣስታት 7.7 ሚልዮን ሰባት ካብ ሃገሮም ተመዛቢሎም እዮም ፣ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዚዀኑ ድማ ካብታ ሃገር ተሰዲዶም ይርከቡ ።

"እዞም ብውግእ እተፈተኑ ህዝብታት ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ ብዙሕ ዝብህግዎ ሰላም ክረኽብዎ እስሊ ኣሎኹ" በሉ ቅዱስነቶም።

"እዞም ብውግእ እተፈተኑ ህዝብታት ድሕሪ ሓጺር እዋን ሰላም ይረኽቡ።"

ኣብ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ዓሌታዊ ምፍልላይ ይኣክል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብ ዞባታት ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ኣድልዎ ምእንቲ ኺውገድ " ሓድሽ ጻዕርታትን ጸሎትን ኪግበር ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ቀቅድሚ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ድማ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ኢጣልያ ዝነበሩ ኣፍጋናውያን ማሕበረሰብ ዝውክሉ ሒደት ተወከልቲ ከም ዝተራኸቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

07 August 2024, 18:04