ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ. ኣብ መስከረም፦ ምእንቲ ብኽያት ምድሪ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ምውሳኽ ሙቐት ኣብ ግምት ብምእታው ምድሪ "ብብርቱዕ ረስኒ" ትሳቐ ኣላ ኽንብል ንኽእል ኢና በሉ።
ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ምድሪ " ልክዕ ከምቲ ኩልና እንሓሞ ሓሚማ ኢያ ዘላ" በሉ።
"ነዚ ስቓይ እዚ ግን ንሰምዖዶ ኣለና ?" ክብሉ ድማ ሕቶ ኣቕረቡ። ስቓይ እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ግዳያት ኣከባብያዊ ዕንወት ዝዀኑ ሰባት ንሰምኦ ዶ ኣሎና?" ክብሉ ውን ሓተቱ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብፍላይ ነቶም ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይ፣ ሙቐት ወይ ደርቂ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ እተገደዱ ሰባት ብምሕብር በዚ ባህርያዊ ሓደጋታት እዚ ዚሳቐዩ ዘለዉ እቶም ድኻታት ምዃኖም ኣመልከቱ ።
እቲ ንሕና እንህቦ ምላሽ ብዛዕባ ኣከባቢያዊ ኩነታት ጥራይ ዘይኰነስ "ማሕበራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን" ስጕምቲ እውን ዘጠቓልል ሰፊሕ ጉዳይ ክኸውን ከም ዘለዎ ገለጹ።
"ምስ ድኽነትን ዕቝባ ተፈጥሮን ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ንግላውን ማሕበራውን ልምድታትና ኽንቅይር ኣሎና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ምስ ድኽነት ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ገዛእ ርእስና ኽንውፊ ኣሎና፣" ከምኡ ውን ብሕታውን ማሕበራውን ለውጥታት ብምግባር "ንተፈጥሮ ኽንከላኸለሉ ኣሎና " በሉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም - ቤተ - ክርስትያን "ዘመነ ፍጥረት" ኣብ እትዕዘበሉ ዘላ ወቕቲ ዘቕረቦዎ ሓሳብ ጸሎት "ነፍሲ ወከፍና ንኣውያት ምድርን ግዳያት ኣከባብያዊ ዕንወትን ቅልውላው ዅነታት ኣየርን ብልብና ኽንሰምዖምን ነታ እንነብረላ ዘለና ዓለም ንምክንኻን ብሕታዊ ቘራጽነት ክንገብርን ኣሎ " ዚብል እዩ ።
ፍጥረት ብምኡ ይግዕር ኣሎ
ቅዱስነቶም እቲ ንመስከረም ዝቐረብዎ ሓሳብ ጸሎት ምስቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ብምትሕብባር ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ምስ ተፈነወ ኣብ ዘሰነዮ ጋዜጣዊ መግለጺ እቶም ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርኒ "ተፈጥሮ ብምኡ ይግዕር ኣሎ። እዚ ስቓይ እዚ ድማ ብሰንኪ እቶም ኣብ ፈለማ ተኸላኸልትን ዓቀብትን ዝነበሩን ሕጂ ግና መእነውቲ ዀይኖም ዘለዉን ሰባት እዩ ዚመጽእ ዘሎ” ክብሉ ገለጹ።
ይኹን እምበር ብፁዕ ካርዲናል ችዘርኒ ኣብታ ንዓለም ለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ንምኽልኻል ተፈጥሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ክርስትያን ምእመናን "ብዛዕባ ፍጥረት ተስፋ ክገብሩን ስጕምቲ ኺወስዱን" ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ፣ ነዚ ድማ 'ብእምነት ምንባር' ኢልና ኽንትርጕሞ ንኽእል ኢና በሉ።
እቶም ኣህጉራዊ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝዀኑ ክቡር ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ነቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ዘጋውሕን መቓልሕ ዝኸውን ኢዩ ። ብሰንኪ ግዳያት ኣከባብያዊ ዕንወትን ለውጢ ዅነታት ኣየርን ዝዀኑ ሰባት "ምድሪ ትበኪ ኣላ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ጸሎት ጥራይ እዩ ነቲ መደንዘዚ እተገብረሉ ልብና ኼበራብሮ ዚኽእል" ብምባል ደምደሙ።