2024.07.31 Parco Lido di Ostia 2024.07.31 Parco Lido di Ostia  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ንስነጥበባውያን ሰርከስ ስለቲ ኣብ ሰባት ዘፍርይዎ ፍሽኽታ አመስግንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 31 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ ናብቲ ኣብ ኦስትያ ሊዶ (ደቡባዊ ምዕራብ ሮሜ) ዚርከብ መዘናግዒ ማእከል ሉና በጺሖም፣ ኣብኡ ድማ ምስቶም ብኽብርቲ እንናቴ ጀነቪየቭ ጃኒንግሮስን ክብርቲ እናቴ ኣና ኣሚልያን ዝጓሰዩ ምስ ስነጥበባውያን ሰርከስን ካርኒቫልን ተራኸቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲአክና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ናይ ወርሒ ሓምለ "ክረምታዊ ዕረፍቶም" ውጽእ ብምባል ትማሊ ረቡዕ ዕለት 31 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ  ምስቶም ካብ ሮሜ ኣብ ብደቡባዊ ምዕራብ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዝምርሓቑ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ መዘናግዒ ማእከል በጺሖም ምስቶም ኣባኡ ዝርከቡ ስነጥበባውያን ጓሶቶምን ኣገልገልቶም ተራኺቦም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣባኡ ተረኺቦም ኣብ ገጽ ሰባት ፍሽኽታ ዘፍርዩ ብምዃኖም ምስጋናኦም ክገልጹሎም ከም ዚደልዩ ብምምልካት ምዉቕ ትምኒቶምን ደገፎምን ኣቕረቡሎም።

ቡራኬ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ንእተወሰነ እዋን ኣብ ቅድስሚ ምስሊ እግዝእትነ ማርያም ደው ኢሎም ምልክት መስቀል ገበሩ፣ እቲ ምስሊ እኖና ድንግል ማርያም ድማ "እኖና ድንግል ማርያም መዕቈቢና ኽትከውን የድልየና እዩ" ዚብል ጽሑፍ ነበሮ።

ሓብትና ጀነቪየቭ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ 35 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኣብ ዝነበረ ሙቐት እቲ ከባቢ ኣብ ዝተገብረሎ ተቕባል እተን ፈረንሳዊት ደናግል ክብርቲ እናቴ ጀነቪቭ ጃኒንግሮስ ንልዕሊ 56 ዓመት ኣባል ንኡሳት ኣሓት ኢየሱስ ዝኾና ሰላምታ ኣቕተባሎም። እተን መሳርሕሳ ዝኾና ክብርቲ እናቴ ኣና ኣሚልያ እውን ኣሰንያአን ነበራ ። እዘን ንኡሳን ኣሓት ኢየሱስ ካብ ጽሑፋት መስራቲ ማሕበረን ቅዱስ ቻርለስ ደ ፉካውል ብዝረኸብኦ ጦብላሕታ ናይቲ ኣብ ህይወቱ ዝገብሮ ነቶም ዝደኸዩ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዘወፈዮ ምስክርነትን ኣገልግሎቱ ተተባቢዐን ኣባኡ ዘገልግላ ዘለአ ። ክብርቲ እናቴ ጀነቪየቭ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተራኺበን ከም ዝነበራ ዝዝከር ኢዩ፣ ንቶም ንዓመታት ከገልግላኦም ዝጸንሓ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክራኸቡ ኣብ መደምደምታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ሒዘናኦም ቀረባ ።

ምስ ሰባት ምርኻብ

ክብርቲ እናቴ ጀነቪየቭ ምስቶም ኣብ ናይቲ ኣብ ጥቓአን ዝርከብ ደብረ ንግስተ ሰላም ቤተክርስቲያን ቆሞስ ክቡር ኣባ ጆቫኒ ቪንሰንዞ ፓታኔ ኮይነን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገብራኦ ተቕባል እንክገልጻ "ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጐስ ኢኹም እትህቡና! " ንቅዱስነቶም ኣመልከታሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማይክሮፎን ምስ ተቐበሉ "ንሰባት ፍሽኽ ንምባል ስለ እትገብርዎ ኣገልግሎት አመስግነኩም ።... ሓጐስ ንኸፈርዩ ስለ ዝሓገዝኩም አመስግነኩም" ክብሉ ዘለዎም ምስጋና ገለጹሎም

02 August 2024, 08:38