2021.05.25 Papa Francesco lettera ai domenicani 800 anni san Domenico 2021.05.25 Papa Francesco lettera ai domenicani 800 anni san Domenico 

ር. ሊ. ጳ. ሥነ ጽሑፍ ንልብን ኣእምሮን ብኸመይ ከም ዘስተምህር ዚገልጽ መልእኽቲ ጽሒፎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ናብ መዓርገ ክህነት እተሓጽዩ መልእኽቲ ጽሒፎም፣ ንዓኦም ጥራይ ዘይኰነስ ከምኡ ውን ንጐሶት ነፍሳትን ንዅሎም ምእመናን ክርስትያንን ውን ዝኸውን መልእቲ ኢዮም ጽሒፎም፣ ኣባኡ ድማ “ርዝነት ናይ ምንባብ መጻሕፍትን ደርሰታትን ግጥምታትን ከም ክፍሊ ግላዊ ዕቤት” ገይሮም ይገልጽዎ። ከመይሲ መጻሕፍቲ ሓድሽ ውሽጣዊ ቦታ ይኸፍትሉና ንህይወት ንኽንገጥማን ንኻልኦት ንምርዳእን ድማ ይሕግዙና ክንዲ ዝኾኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ናይ መጻኢ ኻህናት ንክኾኑ ዝሰናደዉ ዘለዉ ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ፣ ሰናይ ዝኾነ መጽሓፍ ንኣእምሮና ይኸፍተልና ንልብና የነቓቕሖልና ከምኡውን ንህይወት ክንገጥማ የዳልወና ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ጓሶት ነፍሳትን ምእመናንን "ነቲ ናብ ግላዊ ብስለት ዝመርሕ መገዲ ንባብ ሥነ ጽሑፋትን ግጥምታትን" ከድንቕዎ ይግባእ ክብሉ ጸሓፉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብዕለት 17 ሓምለ እተጻሕፈን፣ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 4 ነሓሰ እተሓትመን መልእኽቶም ኣቢሎም፣ ብዛዕባ ንባብ መጻሕፍቲ ዘለዎ ግደ ንመዓርገ ክህነት ንዝሰናደዉ ዘለዉ ተማሃርቲ ንምስንዳው "ሓድሽ ፍቕሪ ንባብ" ልዕሊ ዅሉ ድማ ስነ-ጽሑፋዊ መጻሕፍቲ ንምንባብ ዝያዳ ቦታ ምእንቲ ክረኽቡ "እተሓደሰ ፍቕሪ ንባብ" ኣማዕብሉ ብምባል፣ በዚ ከምዚ "መሰረታዊ ለውጢ ክገብሩ ሓሳብ" ብምቕራብ አተባብዕዎም ። ምኽንያቱ ስነ-ጽሑፍ "ንልብን ኣእምሮን ካህናት ብናጻን ብትሕትናን ንኣጠቓቕማ ኣእምሮናን" ከምኡውን "ንእተፈላለየ ኣጠቓቕማ ቛንቋታት ወድሰብ ኣፍልጦ ምሃብ" ከማዕብሎ ይኽእል ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንስምዒት ሰባት ዘስብሕን ዝያዳ መንፈሳዊን ግልጽነትን ከም ዝህልዎን ድማ ይገብር።

ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ናይ ኣመንትን ብፍላይ ከኣ ናይ ካህናት ተልእኾ ንልቢ እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት ቅድሚ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስኽባኽና፣ ምእንቲ ልባቶም ክኸፍቱን ክለዓዓሉን እቲ ዅሉ "ጽሑፋትን ግጥምን ድርሰታትን ክህቦ ዝኽእል ኣበርክቶ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዋጋ ኣለዎ።"

ንባብ ዘለዎ ጠቓሚ ጽልዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ መጀመርታ ሥነጽሑፍ "ካብ ካልእ ብዙሕ ጥዑይ ዘይኰነ ምርጫታት ዝሕግዘና ልሙዕ ቦታ" ከምኡውን "ኣብ ጸሎት ንባዕሉ ውሽጣዊ ህድኣት ኣብ ዘይንኽንረክሉ እዋናት ኣብ ድኻም ቍጥዓ ጓሂ ወይ ፍሽለት ንባዕሉ ውሳጣዊ ርግኣት" ከነማዕብል ዘኽእለና ጽቡቕ መጽሓፍ ዘለዎ ጠቓሚ ጽልዋ ውን ኣጉልሑ።

ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ "ቅድሚ ኣብዚ እዋን እዚ ንማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ኢድ ድልኪ ከምኡውን ንኻልእ መሳርሒታት ብቐጻሊ ቕድሚ ምቅላዕና" ንገዛእ ርእሶም ብዙሕ ግዜ ንንባብ ይውፍዩ ከም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓደ ናይ ምስማእ ርእየት ፍርያት ዝያዳ ምሉእ እኳ እንተዀነ "ነቲ ዛንታ 'ንምብልጽግና' ወይ ኣገዳስነቱ ንምድህሳስ ዝህበና ዕድል መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ቐይድታት ኣለዎ" ብምባል ሓደ ኣንባቢ ግን ዝያዳ ንጡፍ እዩ ክብሉ ይገልጹ ። ስነ-ጽሑፋዊ መጽሓፍ "ህያውን ወትሩ ፍረ ዘለዎን ብሱልን ከምዝኸውን" ኢዩ ዝገብር።

ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ሓደ ኣንባቢ ኣብ ግዜ ንባብ በቲ ካብቲ ደራሲ ዝቕበሎ ይህብትም በዚ ኸምዚ ድማ  ንዕቤት ገዛእ ርእሱ ከም ዝብልጽግ ይገብሮ።

ግዜ ንጽሑፋት ምውፋይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ መልእኽቶም "ገሊኦም ዘርኣ ክህነታት ንወልፊ ወይ ጽግዕተይናነት ናይ መሳኹቲ መራኸቢ ብዙሓንን፣ ነቲ መርዛምን ላዕሊ ላዕሊ ዝኾነ ሓሳባትን ከምኡውን ዓመጽ ዝመልኦ ናይ ሓሶት ዜና መልሲ ብምሃብ ግዜን ኣቓልቦን ኣብ ጽሑፋት ብምውፋይ " ሓድሽ ይኹን ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ብምንባብን ብምምይያጥን ምላሽ ምሃብ ኣወንታዊ እኳ እንተዀነ፣ ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ እቶም ንክህነት ንዝሰናደው ሥነ መዕበያ ዝህቡ ዘለዉ ጓሶት ንጽሑፋት ንምውፋይ እኹል ግዜ ኸም ዘይብሎም ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም።  ሓድሓደ ግዜ እዚ ኣብቲ ንሥነ መዕበያ ናይ መጻኢ ኻህናት ዚረኽብዎ ትምህርትን ንኣገልግሎት ጕስነትን  ምድላውን ከም ሓደ ዘድሊ "ንእሽቶ ስነ-ጥበብ" ጌርካ ይርአ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ጥዑይ ኣይኮነን” ብምባል ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ነቶም "ናይ መጻኢ ካህናት ከቢድ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ድኻምነት" ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ምኽንያቱ ሥነ ጽሑፍ ምስቲ ነፍሲ ወከፍና ምስቲ ኣብ ህይወት እንብህጎ ነገራት እተተሓሓዘ ምዃኑ ጸሓፉ፣ ምስ ጭቡጥ ህላወናን ምስ ኵሉ ውጥረቱን ባህግታቱን ትርጕማቱን ድማ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ኢዩ።

06 August 2024, 18:42