2024.09.08 Viaggio Apostolico in Papua Nuova Guinea - Santa Messa  nel Sir John Guise Stadium 2024.09.08 Viaggio Apostolico in Papua Nuova Guinea - Santa Messa nel Sir John Guise Stadium  (Vatican Media)

ድሕሪ ቅዳሴ ር. ሊ. ጳ.፦ ሰላምን ኣከባብያዊ መጋቢነትን ንኽህሉ ተላበዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕርቲ ኣብ ፖርት ሞረስቢ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነት ከም ዝህሉ ግበሩ ብምባል፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሉርደስ ዘጋጠመ ምጥልቕላቕ ማይ ዘለዎም ሻቕሎት ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ደድሕሪ እቲ ኣብ ፖርት ሞረስቢ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፍጥረት ሰላምን ሓልዮትን ንኽህሉ ሓያል ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ድሕቲ ምዕራጐም ድንግል ማርያም "ምሳኹም ትጕዓዝ ወትሩ ውን ተዕቍበኩም" ክብሉ ተማህለሉ።
"ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓድነት ስድራ ቤታት ተደልድል ትምኒት መንእሰያት ባህ ዜብልን ተባዕን ትገብር፣ ንኣረጋውያን ትድግፎምን ተጸናንዖምን ንሕሙማትን ንሰብ መከራን ተጸናንዕ" ክብሉ ውን ጸለዩ።

ጸሎት ምእንቲ ሰላም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ድንግል ማርያም "ብፍላይ ነዚ ዓብዪ ዞባ ዓለም ዝኾነ እስያን ኦሻያንያን ከምኡውን ሰላማዊ ውቅያኖስ" ሰላም ንምርካብ ከተማልደሎ ተማሕጸንዋ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብዛ ሓባራዊት ቤትና እንደገና ኣጽዋር ምጥቃምን ምምዝማዝን ኣይንቕበሎን ኢና" ክብሉ ውን ጻውዒት ኣቕረቡ።  "እወ እቲ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን ዝግበር ሓድነትን ስኒትን ፍረ ናይቲ ተፈጥሮ ዘለዎም ሓልዩት ኢዩ!"

ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ሉርድስ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሉርድስ ዘጋጠመ ምጥልቕላቕ ማይ ዘለዎ ሻቕሎት ገለጹ ። ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ዞባ ኦተስ-ፒረነየስ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዘጋጠመ ምጥልቕላቕ ማይ ኣስዒቡ ኣሎ። ብርቱዕ ዝናም ነቲ ብሉርደስ ኣቢሉ ዚሓልፍ ጋቨ ደ ፓው ዚበሃል ፈለግ ትማሊኡ ዓርቢ ምሸት መልኡ ከም ዚውሕዝ ገይርዎ ኣሎ ።

ገለ ኽፋል እቲ መቕደስ ስለ ዘዕለቕለቐ ግሮቶ ማሳቢኤል ከኣ ንእተወሰነ ሰዓታት ተዓጽዩ። ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ኣይተረኽበን ዝተረፈ ኽፋል እቲ መቕደስ ከኣ ንህዝብን ንንግደትን ክፉት እዩ ዘሎ ።

09 September 2024, 09:01