ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕውነት፡ ዓመጽን ኲናትን ዝዓግት ዕርዲ እዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕውነት፡ ዓመጽን ኲናትን ዝዓግት ዕርዲ እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕውነት፡ ዓመጽን ኲናትን ዝዓግት ዕርዲ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይታ ብቤት ማሕተም ኢናውዲ ዝተሓትመት "ዶብ" ብዝብል ኣርእስቲ ሓው ኤንዞ ቢያንኪ ናይ ዝደረስዋ መጽሓፍ መቕድም ከም ዝጸሓፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕውነት ኣብ ሳዕቤናቱ ዝግለጽ እንተኾይኑ ብቕጽበት ንጭካነ ዓለም ምቅዋም እዩ ክበሃል ዘለዎ። ምኽንያቱ ሰብኣውነት ካብ ዝህሉ ኣትሒዙ ፖለሞ - ጋኔን ኲናት ተረኺቡን ናብ ክሕደት ዝመርሕ፥ ከምቲ ብቃኤል ዝተገብረ ሕውነታዊ ቅትለት ዝገልጾ። ነዚ እዩ ድማ ሕውነት ኩሉ ግዜ ብቐጻሊ ክሕደስን ነቲ ናብ ዓመጽን ኲናትን ዝመርሕ ንሕንሕ ክቃወምን ዘለዎ። እቲ ዘሕዝን ግን ሕውነት ኣብ ናይ ሓባር ህይወትና ዝያዳ እናጎደለን፡ ልክዕ ሕውነት ዘይምህላዉ ድማ መከራ ይፈጥር ኣሎ። ሕውነት እንተዘይሃልዩ ማዕርነትን ናጽነትን ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ ይወድቕን ክቡራት ዋጋታት እናደኸመን ተቐባልነት እናሰኣነ ይቕጽል። ብርግጽ ሕውነት ብሓደ ድምጺ ክውሰን ኣለዎ፡ እዚ ድማ ምንጻግ ምግላል፡ ድሌት ዕርቂ፡ ድሌት ዓሚቝ ሰብኣዊ ሕብረት ዝብል እዩ።

ኣብዛ መጽሓፍ ሓው ኤንዞ ቢያንኪ በቲ ልሙድ ሰብኣዊ ዕምቆቱን መንፈሳዊ ብልሓቱን ሕውነት ጸዋዕታ ሰብኣውነት ምዃኑ የረድእ። ኩላትና ኣብ ሰብኣውነት ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና፡ መወትቲ እውን እንተኾንና ኣብ ነንሕድሕድና ርክብ ንኽህልወና ዝተፈጠርና ምዃንና ምስትውዓል እዩ። እቲ ክንቅበሎ እንኽእል ዓቢ ህያብ እቲ ካልእነት እዩ፡ ቀረባ ይኹን ርሑቕ፡ ዝፍለጥ ይኹን ዘይፍለጥ፡ ፈታዊ ይኹን ጸላኢ። ኣብ ጎኒ ነንሕድሕድና ደው እንተኢልና ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ሓው ወይ ሓፍቲ ይህልወና እሞ ሓደ ጸዋዕታ ዘለና ኮይኑ ይስምዓና: “ኣነ” ካብ ምባል "ንሕና" ናብ ምባል ክንሰጋገር፣ ብሓባር ክንነብር።

(ር..ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ)

17 September 2024, 15:44