ድለ

2024.09.07 ዋና ኣመሓዳሪ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ንር.ሊ.ጳ ዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላ 2024.09.07 ዋና ኣመሓዳሪ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ንር.ሊ.ጳ ዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላ  (Vatican Media)

ዋና ኣመሓዳሪ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ንር.ሊ.ጳ ዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላ

ዋና ኣመሓዳሪ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ቦብ ቦፈንግ ዳዳኤ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እንክብሉ ምዉቕ ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንሰላም፡ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ኣንጻር ለውጢ ከባቢ ኣየርን ኣብ ዝምልከቱ ንጥፈታት እተካይዶ ጻዕሪ ይንኣዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ኣመሓዳሪ ፓፑዋ ነው ጊኒ ብስሞምን ብመንግስትን ህዝብን ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ሰላምታ መደረኦም ንር.ሊ.ጳ. ህላወ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ካብ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝጅምር ምዃኑ ብምዝካር፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕናን መንፈሳዊ ክንክንን ዘለዋ ወሳኒ ተራን ትምህርትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ናብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ዝኾነ ከባቢታታ ንምብጻሕ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጻዕሪ ኣፍልጦ ብምሃብ ዝነኣድ ኣገልግሎት እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቤተ ክርስቲያን ንሰብኣዊ መሰላትን ንለውጢ ከባቢ ኣየርን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን እተካይዶ ጻዕርን ጎስጓስን፡ ንሰላም፡ ፍትሒ፡ ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን ጾታዊ ማዕርነትን ትዓይን ተነቓቕሕን፡ ኣብ ርሑቕ ደሴታት ፓፑዋ ከቢድ ጽልዋ ዘለዎ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፍታሕ ዓውሎማዊ ስጉምቲ ክረጋገጽ እተቕርቦ ጻውዒት እውን ከም ዝነኣዱ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ምስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ሽርክነት ብፍላይ ኣብ ምሃብ ናይ ምወላ ደገፍን ንሰራሕተይናታት ቤተ ክርስቲያን ምስ ስርዓተ ኣከፋፍላ ደሞዝ መንግስቲ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣጉሊሖም፣ እዚ ድማ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ንዝካየድ ምትሕብባር ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዓሚቝ ተወፋይነት ከምዘለዋ ዘመልክት እዩ ምስ በሉ፥ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገብርዎ ዑደት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፓፑዋ ነው ጊኒ ነባሪ መንፈሳዊ ጽልዋ ከም ዝገድፍ ብምግላጽ፡ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ መደምደምታ፡ መራሕቲ እታ ሃገርን ህዝብን ኣብ ቅድሚ ዓለማዊ ብድሆታት እምነቶም ከሐይሉ ጸሎት ቅዱስነቶም ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 September 2024, 15:37